altፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ኤዲኪ ምስ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ብረቡዕ ዕለት 22 ግንቦት 2013 ድሕሪ ጠቕላላ ጉባኤ ኤዲኪ 2013 ኣብ ቀጽሪ ቤት ጽሕፈት ባይቶ ፈላሚ ርክብ ኣካይዱ።

እቲ ርክብ ብኣቦ መንበር ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ተጋዳላይ ዶክተር የሱፍ ብርሃኑ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መልእኽቲ ድሕሪ ምምሕልላፉ ቀጺሉ ኣቦ መንበር ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ኤዲኪ ተጋዳላይ ኢድሪስ ዓሊ ስዒድ /ኣቡ ሃማም/ ድማ ብዛዕባ ውጽኢት ጠቕላላ ጉባኤ ኤዲኪ 2013 ዝምልከት ሰፊሕ መብርሂ ድሕሪ ሂቡ።

ኣቦ መንበር ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ኤዲኪ ተጋዳላይ ኢድሪስ ዓሊ ስዒድ /ኣቡ ሃማም/ ኣብ መግለጺኡ ኤዲኪ ነቲ ብማእከላይ መሪሕነቱ ኣብ ሚያዝያ 2012  ንባይቶ ዝምልከት ኣቐዲሙ ዝወሰኖም ውሳኔታትደጊሙ አጋጊጽዎ ጥራይ ዘይኮነስ ሕጂ ውን ሓባራዊ ዕማማት ንምትግባር ምስ ፈ/ቤ/ት ጽሕፈት ባይቶ ብምውህሃድ ከም ዝሰርሕን ሓሳባት ንምልውዋጥን ኣብ ዝኮነ ሸነኻት ቃልሲ ምስ ባይቶ ተሓባቢሩ ከም ዝሰርሕ ደጊሙ ኣስሚሩሉ።

 ናይዚ መሰረት ከኣ እቲ ዝሓለፈን ዘሎን ንቐጻሊ ዝህሉን ህይወታዊ ዝምድና ኤዲኪን ባይቶ ስለ ዝኾነ እዩ።

ኣቦ መንበር ፈ/ቤ/ጽ ባይቶ ተጋዳላይ ደኩተር የሱፍ ብርሃኑ ብወገኑ ንዓወታት ጠቕላላ ጉባኤ ኤዲኪ 2013 ዝተሰመዖ ሓጎስ ብምግላጽ ቀጺሉ ባይቶ ምስ ኩሎም ኣባላቱ ዘለዎ ተሪር ዝምድና ብምሕባር ብፍላይ ከኣ ኤዲኪ ኣብ ምዕዋት ባይቶን ዕማማቱን መደባቱን ዘለዎ ቅሩብነትን ዝጸንሐን ዘሎን ዝምድና ኣዚዩ ዝነኣድ ከም ዝኾነ ገሊጹ።

ኣብ መወዳእታ ኣብ ምምኽኻርን ምውህሃን ሓሳባት ምልውዋጥን ኩሉ ግዜ ኣብ ዝኾነ እዋን ማዕጾ ባይቶ ንኪዳን ክፉት ምዃኑ ሓቢሩ።

ኣብቲ ርክብ ዝተሳተፉ ኣባላት ብወገኖም ብዛዕባ ኪዳንን ባይቶን ብሓደ ሸነኽ ኣብ መንጎ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኣብ ውሽጢ ባይቶን ብካልእ ሸነኽ ኣመልኪቶም ብሓባር ናይ ምስራሕን ምግጣም ብድሆታትን ዝምልከት ኣገደስቲ ርእይቶታትን ለበዋታትን ኣቕሪቦም።

ክፍሊ ዜናን መጽናዕትን ስልጠናን ኤዲኪ

23 ግንቦት 2013