|
ምቋም ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፡ ውጽኢት ዕቱብ ገድላዊ ጻዕሪ ተቃለስቲ ኣካላቱ ዝመስረቱዎ ኮይኑ፡ ዕላማኡ ከኣ፡ ንኹሉ ኤርትራዊ ዓቕምታት ዝጉስጉስሉን ንድለይቲ ለውጢ ኣብ ክሊ ሓደ ስፊሕ ሃገራዊ መድረኻዊ ጽላል ዝጥርነፍሉን፡ ንዝኽይድ ዘሎ መስርሕ ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምዕዋትን ዕማማቱ ውሑስ ንምግባርን ዝዓለመ’ዩ።
|
ፈደራላዊ ደሞክራስያዊ ምንቅስቃስ ኤርትራ ጨንፈር ስዊደን ንኩሎም ግዱሳት ደለይቲ ፍትሒ- ለውጢ ብዛዕባ እዋናዊ ህልዊ ኩነታት ደንበ ተቃውሞን መጻኢ ትጽቢታት ሕዝቢ ኤርትራን ሰሚናር ንክትሳተፉ ብኽብሪ ይዕድም።
|