Get Adobe Flash player

altልኡኽ መድረኽ ብስለስተ ኣባላት ዝተወከለ ማለት፡ ዶ/ ኣስፋው ተኽስተ፡ ኣምበሳደር/ ዓንደብርሃን ወ/ገጊስን ኣቶ/ መሐይዲን ሽንገበን ናብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ዝገበርዎ ዕዶት ብዕለት 20 ጥሪ 2016 ምስ ውድባት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳንን ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራን ኣብ ቤት ጽሕፈት ኤዲኪ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተራኺቦም።

ኣብ ዝግበርዎ ርከብ ኣብ ኣገደስቲ ጉዳያትን ብዛዕባ’ታ ካብ ናይሮቢ ናይ ምምኽኻር ዋዕላ ዝተመዘዘት ናይ ርከብ ሽማግለ ዝምልከቱ ነጥብታትን ሓበረታት ተላዋዊጦም። 

ኣብ መዛዝሚ እቲ ርከብ ልኡኽ መድረኽ ብተሳትፍቲ ንዝቀረበሎም ኣገደስቲ ሕቶታት ድሕሪ ምብራህ ተሳትፍቲ እቲ ርከብ ብወገኖም፡ ንዝረኣዮ ተገዳስነትን ተቦግሶን ኣመስጊኖም።

 

ክፍሊ ዜና ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን

20 ጥሪ 2016


Search our Website