Get Adobe Flash player

ሎምቅነ ብኣህጉራዊ ደረጃ ብዛዕባ ክሊማ እዛ እንነብራላ ዓለም ኣብ ብርሰት መረታውን ባሕራውን ተፈጥሮታት ብዝርኢ ወድሰብ ብዘምጽኦ ጊጉይ ኣጠቃቅማ ባህርያዊ ምንጭታት ንምዝታይ በቲ (COP 21 Conference of Paris) ዋዕላ ፓሪስ 21 ዝፍለጥ እናተኻየደ፣ ብዞባ ደረጃ ድማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካቶሊካዊት በትክርስትያን ሰላምን ዕርቅን ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃን ሕዝብን ዑደቱ ኣብ ሃገራት ከንያን ኡጋንዳን፣ ማእከላይ ኣፍሪቃ ረፑብሊክ፣ ከምኡ ድማ ብሃገር ኤርትራ ደንበ ተቃውሞ ኤርትራ ዓውደ ልዝብ ዋዕላ ኣብ ከተማ ፍራንክፉርት ሃገረ ጀርመን ቀጺሉ ድማ ናይ ምምኽኻር ዘተ ኣብ ከተማ ናይሮቢ ኣብ ሃገረ ከንያ ተዛዚሙ። ኣብ ወርሒ ሕዳር መጨርስታን መጀመርያ ወርሒ ታሕሳስ 2015 ኣብቲ መጨረሽታ ቢንቶ ብርሃን ናይ ትስፋው መጻኢ ንርኢ ኣሎና፡፤

ፈደራላዊ ደሞክራስያዊ ምንቅስቃስ ኤርትራ ነዚ ትስፉው መጻኢ ብሃገራዊ ሓላፍነት ተሸኪሙ ንሕመረታዊ ክብርታት ሕዝቢ ኤርትራ ዘኽብር መርሓ ገበይ፣ ሓድሕዳዊ አኽብሮት ማለት፣ ምትእምማን፣ብሓንሳብ ምስራሕ፣ብሓላፍነት ድልየት ሕዝብና ምምላእ፣ ብቀጻልን ስልጡንን ኣገባብ ኣብ ምምሕያሽን ሓደስቲ ምሕዞታት ኣሰራርሓ ምትእትታው፣ ቀጻሊ ዕብየት ንምምጻእ ምቅላስን ንግርጭታት ውሽጣውን ግዳማውን ብልዝብን ደሞክራስይያዊ መገድታት ኣብ ምፍታሕ ምድሃብ፣ ናይ ዝመጽእ ዓመት 2016 ራእይና እቲ ኣብ ወጻኢ ዝቃለስ ዘሎ ሓይልታት ምስቲ ደላይ ለውጢ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ጨካን ውልቀ- መላኺ ምሕደራ ዝሳቀ ዘሎ ምትእስሳር ምፍጣርን ድልዱል ዝምድና መስሪቱ ሕዝብና ካብዚ ብርሰት ንምድሓን ኢዩ፡፤ 

ዕዮ ገዛ ፈደራላዊ ደሞክራስያዊ ምንቅስቃስ ኤርትራ እምበኣር ንዝተመባጻዕናዮ ምኽባር፣ ንትጽቢታት ሕዝብና ምምላእ፣ ምስ ኩሎም ሃገራውያን ብስኒት ምምኽኻርን፣ ድልየታት ሕዝብና ብሳይንሳዊ ኣገባብ ምምላእን፣ ልዙብን ስነ-ጽቡቅ ግብሪ ባህሊ ምትእትታው ክሰርሕ መብጽዓ ይኣቱ፡፤

ፈደራላዊ ደሞክራስያዊ ምንቅስቃስ ኤርትራ ካብቲ ቀንዲ መቆምያታቱ ናይ ግዳም ተጽዕኖታትን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይቱ ምትእትታው ዘየፍቅድ ኣብ ጉዳይ ካልኦት ድማ ኢዱ ዘየቱ ጽኑዕ ሃገራዊ ሓይሊ ኢዩ። ለውጢ ካብ ደገ ዝጽበ ወይ ድማ ከምዝሕግዙ ኾይኖም ኣብ መጻኢ ብጥቅሞም ኣብ ጉዳያካ ኣትዮም ሕንፍሽፍሽ ዝፈጥሩ ጐረበት ሃገራት ወይ መንግስታት ኣየፍቅድን፡፤ ጉዳይ ሕዝቢ ኤርትራን ሃገረ ኤርትራን ብኤርትራውያን ክውነን ይኣምን።

ነዚ ኣብ ከተማ ናይሮቢ ዝተኻየደ ናይ ፖሊቲካዊ ውድባት ምምኽኻር ክቅጸልን ናብቲ ሕዝቢ ኤርትራ ዝደልዮ ሓቀኛ ስምረት ናይ ኩሎም ደለይቲ ለውጢ ክኽውን ድማ ምስ ኩሎም ክሰርሕ ድሉው ኢዩ። ነቶም ነዚ መድረኽ ናይ ምምኽኻር ዝወደቡ  ኣባላት መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ ድማ ምስጋናኡ የቅርብ።


Search our Website