Get Adobe Flash player

altብዕለት 03/10/2013 ኣስታት 500 ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት እሞ ከኣ መብዛሕተኦም ኤርትራውያንን ሶማልያውያንን ጽዒና ናብ ሃገረ ኢጣልያ እንዳተጓዕዘት እንከላ ኣብ ጥቓ ገማግም ደሴት ላምፕዶሳ ብዘጋጠማ ናይ ምጥሓል ሓደጋ 155 ብህይወት ክተርፉ እንከለዉ፡ 

ልዕሊ 130 ሬሳታቶም ክርከብ እንከሎ፡ ልዕሊ 200 ድማ ክሳብ ሕጂ ሃለዋቶም ኣይተፈልጠን።

ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ድማ በዚ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዘጋጠመ ኣሰቃቒ ሓደጋ ዝተሰምዖ መሪር ሓዘን እንዳገለጸ፡ ናይዚ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታትና ዝወርድ ዘሎ ኩሉ ዓይነታት ናይ ሓደጋ ኣጋጣሚታት መሰረታዊ ጠንቁ ዲክታቶራዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ይፍጽሞ ዘሎ ፖለቲካውን ጸጥታውን ከምኡ እውን ቁጠባዊ ሃሰያታትን ኣስገዳድ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ምዃኑ ይገልጽ። ከም ውጽኢቱ ድማ ህዝብና ሰላም ንምርካብ ብዋሕዚ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ኣብ ምስዳድ ይርከቡ ኣለዉ። እዚ ኩነታት እዚ ከኣ ንስደተኛታት ኤርትራውያን ግዳይ ነጋዶ ሰብ ብምግባር፡ ህይወቶም ኣብ ፈቆዶ ምድረ በዳ ሰሃራን ባሕርን ንክጠፍእ ይገብሮም ኣሎ። ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ናይዚ ኣሰቃቒ ሓደጋታት ሓላፍነትን ሕጋዊ ተሓታትነትን ንስርዓት ህግደፍ የሰክም።

ኣህጉራዊ ማሕበረሰበን ሰብኣዊ ማሕበራቱን ብሰንኪ ዲክታቶራዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ንዝወርድ ዘሎ ስቅያት ብሕጋውን ሞራላውን ሓላፍነት ትኩር ኣቓልቦ ክገብርሉ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ኣትሪሩ ይምሕጸን። ስቅያት ህዝብና ንምግታእን ምውጋድ ዲክታቶራዊ ስርዓት ህግደፍ ንምቅልጣፍን፡ ዲሞክራስያዊ መተካእታ ንምትካልን፡ ኩሎም ኤርትራዊ ሓይልታት ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ናይ ቃልሲ ዓቕምታቶም ክጠምሩን፡ ቃልሶም ከበርኹን፡ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ይጽውዕ። ንሰበ ስልጣናትን ሰብኣዊ ማሕበራትን ኢጣልያን ቫቲካንን ንዝገበርዎ ሰብኣዊ ሓልዮት ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ልዑል ምስጋናኡ የቕርብ።

ኣብ መወዳእታ ንግዳያት መንግስተ ሰማያት የዋርሶም ብምባል፡ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ንስድራቤት ግዳያት ከኣ ብፍላይ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ጽንዓት ይሃብኩም ይብል።

 

ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን

5 ጥቅምቲ 2013

 


Search our Website