Get Adobe Flash player

altኣብ ቀዳማይ ጉባኤ ሃገራዊ ባይቶ ዘይተሳተፉ ካብ ባይቶ ውጻኢ ዘለዉ  ተቓውምቲ ሓይልታት ኣብ ትሕቲ ጽላል ሃገራዊ ባይቶ ንክጥርነፉ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ተበግሶ ወሲዱ፡ 

ነዚ ዕማምዚ ንምስላጥ ሽማግለ ኣቚሙ ምህላዉ ይእውጅ። ዕማም እዛ ሽማግለ ምስ ኩሎም ፖለቲካውያን ሓይልታትን ሰልፍታትን በርገሳዊ ማሕበራትን ወዘተ ... እናተራኸበት ብናይ ምርድዳእን ሃናጺ ዘተን መንፈስ፡ ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ማእከሉ ዝገበረን፡ ሃገራዊ ስኒት ዘረጋግጽን ናይ ለውጢ መስርሕ ንምዕዋት እዩ።

እታ ሽማግለ ድሮ ስርሓ ከም ዝጀመረትን ውጽኢት ርኽክባታ ድማ በብእዋኑ ክንሕብር ምዃንና ነፍልጥ።

 

ክፍሊ ዜና ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኤ.ሃ.ባ.ዲ.ለ.

12 - 06 - 2013

 


Search our Website