Get Adobe Flash player

 

altተ.ሓጅ ዓብደኑር ሓጅ ምኽትል ኣቦ መንበር ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ብዕለት 11ን12ን ጥሪ 2013 ብምድላው ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ማሕበረ ኮም ኤርትራውያን /ኣውስትራልያ/ ኣንጻር ዓመታዊ ፈስቲቫል ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዝተገብረ ሰላማዊ ሰልፊ ተሳቲፈ።

 

altተ.ሓጅ ዓብደኑር ሓጅ ቃል ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ከቕርብ እንከሎ፡ ሰላማዊ ሰልፊ ሓደ ካብቶም ኣገደስቲ መሳርሕታት ደሞክራስያዊ ለውጢ ምዃኑ ብምርግጋጽ ንሱ ድማ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ብስርዓት ህግደፍ ዝግበር ዘሎ ግፍዕታትን ገበናትን ኣብ ምቅላዕን ኣዕናዊ ትልምታቱን ውዲታቱን ኣብ ምፍሻልን ተዳኺሙ ዘሎ መሓውራቱ ዳግማይ ንምድልዳልን ዕምሪ ስልጣኑ ንምንዋሕን ስቓይ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ይኹን ኣብ ስደት ዝርከብ ህዝብና ንምቕጻልን ንዝገብሮ ዘሎ ፋይናንሳዊ ምዝመዛ ንምብታኽን ኣወንታዊ ተራ ከም ዘለዎ ኣስሚሩሉ። ብተወሳኺ ኣብ ምምካት ስርዓት ህግደፍን መጋበርያታቱን ተራ ኤርትራውያን ማሕበረ ኮማትና ብሓፈሻ ማሕበረ ኮም ኤርትራውያን ኣውስትራልያ ከኣ፡ ብፍላይ ዝጻወትዎ ዘለዉ ልሉይ ቃልስታት ድሕሪ ምንኣዱ ነቶም ብፍላጥ ይኹን ብዘይ ፍላጥ ኣብ ጎኒ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ደው ኢሎም ዘለዉ ወገናት ከኣ፡ ንኤርትራዊ ህሉው ኩነታት ብልክዕ ብምንባብን ብምስትውዓልን ኣብ ጎኒ ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ፍትሓዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንክስለፉን ክጽንበሩን መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።

 

altተ.ሓጅ ዓብደኑር ሓጅ ኣብ መደርኡ ንገበናዊ ተግባራት ስርዓት ህግደፍን ስቓይ ህዝብናን ሰፊሕ ተንታን ሂቡ። እቲ ስርዓት ዝገብሮ ዘሎ ፈስቲቫላት ልመና ገንዘብ ዋጋ ከምዘይብሉን ካብ ውድቀት  ከድሕኖ ከም ዘይክእልን ኣረጋጊጹ። ልሉይ ተራ ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ኣብ መስርሕ ዝካየድ ዘሎ ደሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝብና ድሕሪ ምግላጹ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን፡ ሓድነት ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ንምድልዳልን ኣብ ክሊ ሓበራዊ ሃገራዊ ዕላማታት ንምስማርን ጻዕርታቱ ቀጻሊ ምዃኑ ብምርግጋጽ ሓላፍነት ሃገራዊ ግቡኣት ንምምዕባልን ቅዱስ ኤርትራዊ ሃገራዊ ክብርታት ንምዕቃብን ምክልኻልን ቀዳምነት ሂቡ ዝነጥፈሉ ምዃኑ ኣስሚሩሉ።

ተ.ሓጅ ዓብደኑር ሓጅ ኣብ መዛዘሚ መደረኡ ማሕበረ ኮም ኤርትራውያን ኣውስትራልያ ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ንዝገብርዎ ዘለዉ ተባዕ ቃልስታት ብሽም  ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ልዑል ምስጋንኡን ናእዳኡን ኣመሓላሊፉ። ከምኡ እውን ኣብ ዝመጽእ ዓመት ስቓይ ህዝቢ ኤርትራ ተወጊዱ ደሞክራስያዊ ለውጢ ተረጋጊጹ ኩሉ ኤርትራዊ ኣብ ሃገሩ ሰላምን ራህዋን ረኺቡ ባህግታቱ ክውን ኮይኑ ንክርኢ ዘለዎ ሰናይ ትምኒት ገሊጹ።

ክፍሊ ዜና ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን

13 ጥሪ 2013

Search our Website