Get Adobe Flash player


ደምዳሚ ኣዋጅ ሳልሳይ ስሩዕ ኣኼባ ፌደራላዊ ባይቶ ፌ.ደ.ም.ኤ


ፌደራላዊ ባይቶ ፌ.ደ.ም.ኤ ካብ ዕለት 24 ክሳብ 26 ወርሒ 12/2014 ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምስፋን ቃልስና ነሕይል ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ ሳልሳይ ስሩዕ ኣኼብኡ ብዓወት ዛዚዙ።

ኣብ መእተዊ ኣኼብኡ - ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ኤርትራ

  • ምዕባሌታት ኣብ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ

  • ጸብጻባት ኣብያተ - ጽሕፈታትን ፈጻሚት ቤት ጽሕፈትን

  • ሓፈሻዊ ፖለቲካዊ ጸብጻብ ኣብ ዝብሉ ትሕዝቶ ኣጀንዳታት ተኻይዱ።

Read more...

 

ፖለቲካዊ መደብ - ዕዩ

 

ፌድራላዊ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርት

 alt

ኣብ ሳልሳይ ውድባዊ ጉባኤ ዝጽድቀ

 

04 ሓምለ 2012


 

ቀዳማይ ምዕራፍ

 

መእተዊ፡

ሃገረ ኤርትራ ኣብ 1890 ብመግዛእቲ ጣልያን ዝተቅርጸት ሃገር ኮይና ካብ ኣብ ጎርባብቲ ሃገራት እትኒካውን ባህላውን ምቅጽልታ ዘልዎም ሕብረተ ስብኣዊ ጉጅለታት እትቅውም ኢያ። እዚ ድማ ኣብ መብዝሓትኦም ሃገራት ኣፍሪቓ ዘሎ ውድዕነት’ዩ። ድሕሪ ካልኣይ ኳናት ዓለም እዚ ብዝሑነት ኣኳዋውናን ኣብ ጎርባብቲ ሃገራት መዝርጋሑን ኣብ ምዕንቃፍ ክይዲ መስል ርእሲ ውሳኔ ህዝቢ ኤርትራን ምስ ኢትዮጵያ ምጽንባርን ዝስዕቡ ስውራን ኣብ ኤርትራ ሎሚ ዘሎ ኩነታት ከኽስተን ዓቢ ግደ ነብሩ። በመስረት ተገልጹ ዘሎ ታሪኻዊ ድሕሪ ባይታ ምቅራጽ ሃገረ ኤርትራ (ማሕበራውን ቁጠባውን ባህላውን) ታሪኻዊ ምዕባለ ማሕበራዊ መሰረታታን ፍሎዪ ሃገራዊ ኣካላ ምንጻርን ኣብ ምውሳድ ምርጨታት ህንጸት ሃገር ምውህሃድን ኣይንበረን። ብተመሳሳሊ እዚ ብውጽኢት መግዘኣታዊ  ውድዕነት ተድሪቡዎ ናብ ኣዝዮ ዝተሃላልኸ ህልዊ ኩነታት ብርከት ዘብሎ ሃገራት ኣፍሪቓ ዝጋልጸ.ዩ። ብኣንጻሩ ኣብ መንጎ ማሕበራውን ባህላውን ኣኳዋውናኡም ዘሎ ዝምድናታት ብምሪዲዳእን ጠቕላላን ሓበራውን ትልሚታትን ንምምሕዳር ዘኽእል ዕድል ብዘይምህላዉ ንሃገራት ኣፍሪቓ ባና ናጽነቱም ምጭባጥ ብቅጻሊ ክሳብ ሎሚ ዝጉልሀ ጽገም ብምዃኑ ከም’ውን ኤርትራ ኣብ ጊዜ መስል ርእሲ ውሳኔ ዝተፈላልዩ ፖለቲካዊ መርገጻት ከተውነን ገብረ።

 

እምባእርከስ ሓበራዊ ውርሻ ኣብ መንጎ ዞም ኣኳዋውናታት ዚኣቱም ውሑዱን ካብ ቀጠታዊ ርክባት ምግባር ዘይሓልፍን ህንጸት ዘመናዊ ሃገር ይኹን ምፍታሕ ሓድሽቲ ዝኽስቱ ጽገማቱም ኣኽእሎ ናይ ምፍጣር ኣይምዕበልን።  በተመሳሳሊ እዚ ኣኳዋውና’ዚ ከፍጥሩ ዝኽእል ጸገማትን ሰዕቤናቱን ንምፍዋስ ጠቕላላ ሃገራዊ ትልሚታት ብምሕንጻጽ ሓድሽቲ ሰረታት ንምንዳይን ብድልየትን ተሳትፎን ፖለቲካውን ባህላውን ማሕበራውን መሪሕነታት ኩሉም ኣኳዋውና ኤርትራ ብውድዕነቱ ኣድላይነት ዘልዎ ይኽውን።  

 

ጠንቂ ኤርትራዊ ፍልልዪ

 

ኤርትራ በመሰረት ኣብ ላዕሊ ተጠቂሱ ዘሎ ኣኳዋውናን ከም ኩሉም ጎረባብቲ ሃገራት ፍልልያት ከህሉ ባህርያዊ’ዩ። ከም’ውን እዞም ጉጀለታት ዚኣቱም ኣብ ትሕቲ ሓደ ታሪኻዊ ማእከላዊ መንገስቲ በመሰረት ከባብያዊ ጠለባት ሓበራዊ ውርሻ ሃገር ምውናን ካብ ውሽጣውን ገዳማውን ሓደገታት ንምድሓነን ወይ ኣብ ሕድሕድ ብሰላም ንምንባርን ንምሰምማዕ ዝሕገዝ ዝተረጋግአ መድረኽ ዕድል ንምርካብ ኣይረኽቡን። እዛ ሎሚ ብኤርትራ እተፍልጥ ዘላ መሬት ዝርክቡ ሕብረተ ስብኣዊ ጉጅለታት ኣብ ዘተፈላልዩ መድረኻት ብሓባር ንምንባር ድልየት ከንጽባርቁን ኣብ መድረኽ ሰውራ ኤርትራ ከዕዘዙዎን ኣብ ቃልሲ ኣብርክትኦም ከውፍዩን ኣብ መውደኣታ ኣብ ጎኒ ሃገራዊ ናጽነትን ልዕላውነትን ከስልፉ ከኣሉ። ይኹን ዳ’ምበር ኣብ መንጎ ዞም ዝተፈላልዩ እትኒካውን ባህላውን ሃይማኖታውን ቁጠባውን ኣኳዋውና’ዚ በውጽኢት ታሪኻዊ ውርሻን ጽገማት ህልዊ ባህጊታትን ኣብ መጻኢ ከስዕቡ ዝኽእል ስዕቤንን ከምይነት ሕቶ ብሓባር ምንባር ኣዕጋቢ መልሲ ከርክብ ኣይክእልን። ብእምንታና ድሕሪ ካልኣይ ኳናት ዓለም ዕድል ምርግጋጽ ሃገራዊ ናጽነት ምስኣነን ንዕድመ ሰውራ ዝናውሐ ሕድሕድ ምቅቲታልን መስረታዊ ጠንቂ እቲ ግርጨት ኣፍላላየ ኣብ መንጎ ንኤርትራ ዝምቁሙ ጉጀለታት ብቅንዱ ድማ ብስንኪ ኤርትራ ንኩሉም ኣኳዋውናኣ ዝኹነት ሃገር ምዃና ዘይምስምማዕን። እዚ ከኣ፡ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ብቅንጽላን ጠፍኣትን ጉዱድ ስፍራን ተግባራት ዝፍለጥ ብሓደ ባህላውን ማሕበራውን ስረት ዘልዎ ምልካውን ተምክሕታውን ስርዓት ከተሳቐ ኩነት። ብካልእ ሽነኽ ከኣ፡ ንማእክላዊ ሕቶታት  ማልት፡ ሕቶ ሕድሕድ ብሰላምን ምንባር ኣብ ኤርትራ? ኤርትራዊ ገድሊ ተሕዝቶ ዘይብላ ሃገርን መሰላት ዘይኽብርላን ሽርክነት ሰልጣንን ሃብትን ዘይርጋግጽላን ከምቲ ዝተኽፍለ ሓብራዊ ምስዋእቲ ንምርካብ ዶ ነበረ? ልዕላውነት ሓደ ባህሊ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ኤርትራዊ ባህሊታት ወይ መዕርነቶም ንምእማን ዶ ነበረ? በሰላም ሕድሕድ ንምንባር ዝሕግዙና ሓበራዊ ምቖምያታት ከምይነት ምንዳይን መብግሲታቱን መልክዓቱን ሰረታቱን ምንጻርን ኣብ ብሓበር ንምባር ኤርትራዊ ኣብነት ንምዃን ከመይነት ምርግጋጹን? ከምልስ ደልየት ዘይብሉ ዝተብታትነ ተቓውሞ’ዩ ነብረ።

 

ኣብ ላዕሊ ተጠቂሱም ዘለዎ መስረት ብምግባር ካብ’ዚ ታሪኻውን እዋናውን መጻኢን ጽገም ንምንጋፍ ኩላትና ነዞም ዝስዕቡ ከንጽር ይግባእ፡-

  1. ንኩሉ ዝዕግብን ዝንጸባርቅን ሃገራዊ ምቖምያታት።
  2. ኣብ ሱልጣንን ሃብትን ንኩሉ ብማዕረ ዝስትፍ ስርዓተ ምሕደራ።

 

በዚ መሰረት ከኣ፡ ካብ ጠንቂ ኤርትራዊ ፍልልያት ከንውጽእን ሰላምን ፖለቲካዊ ምርጊጋእን ዝስፈና ሃገረ ኤርትራ ምህናጽ ከንውፍርን ቁጠባዊ ዕቤየት ንምርገጋጽን ከንጽዕረን ህዝብና እብ ሓርነታዊ ኳናትን ብትምክሕታዊ ስርዓት ኣብ ዝተባርዑ ኳናትን ዝኽፍሉ ክቢድ መስዋእቲ ንምክሕሓስን ይኽውን።

 

ካልኣይ ምዕራፍ

 

ንምዕራፋትን መድረኻትን ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ዕዩ ብምገምጋምናን ከም'ውን ባህልን ሃይማኖትን እትኒካዊ ኣኳዋውናን መዓልታዊ መነባብሩን ቁጠባውን ማሕበራውን ምዕባልን ተምክሮታት ናዓና ዘኣምስሉ ጎረባብቲ ህዝብታትን ካብ ዘተፈላልዩ ፖለቲካዊ ጽገማት ዝተሳቅዩን ብምፍታሽን ጽገም ስርዓተ ምሕደራ ኣብ ኤርትራ ብፈድራላውን ቅዋማውን ዘይምእኩል ሰርዓተ ምሕደራ ብምትካል ከምፍታሕ ምዃኑ ከንብጽሕ ከእልና። ምኽነያቱ እዚ ስርዓተ ምሕደራ’ዚ ኤርትራ ዝተርጋግአት ሃገርን እቶም ኣብ ሓደ ጆግሪፍካዊ ከባቢ ዝርክቡን ሓደ ባህልን ዝተቅራርበ ዩታዊ ሕጊታትን ውዝነኑን ነብሶም ባዓሉም ከምሓድሩን ፖለቲካውን ባልህላውን ቁጠብውን ማሕበራውን መማርጺቱም ከብዕብሉን ዝኽእሉሉ ይኽውን። እዚ መማርጺ ድማ፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ፖለቲካዊ ፍትሕን ልምዓታዊ ዕቤየትን ኣብ ምርገጋጽ ብፍላይ ከኣ፡ ብቋንቋን እትኒካዊ ኣኳዋውናን ብዝሕነት ዘለዎ ሕብረት ሰባት ዝሓሸ ሕብረተ ስብኣዊ ትሞክሮ’ዩ። እዚ መማርጺ’ዚ ብርከት ዘብሎ ዓበይትን ንኣሽቱን ምዕብላትን ኣብ ክየዲ ምዕበለ ዝርክቡን ካልኦትን ሕብረት ሰባት ከጥቅምሉ ብምኽኣሉም ፖለቲካዊ ምርጊጋእ ከውሕስሉም ከእለ። ከም’ውን ፈድራላዊ ሰርዓት ፖለቲካዊ ሱልጣን ምምቅራሕን ብደሞክራስያውን ፍትሓውን ኣገባብ ምምሕዳሩን ዝግበር ስርዓት’ዩ።

 

ትርጎም ፈድራሊዝም

ብርከት ዝብሉ ናይ መጽናዕቲ ወልቀ ሰባት ዘተፈላልየ ተርጎማት ንፈድራሊዝም ኣቅሪቦም። ከም ኣብነት ኣቶ/ ሻርሊዝ ሃንድ ከምዝስዕብ ተንታነ ኣቅሪቡ፡- ፈድራሊዝም ማለት ዝላዕለ ዓቕምን ጻዕርን ብምብርካት ንዝላዕለ ኣድላይን ሕድሕዳውን ሓርነታት ብምዝጋሕ ዘሎ ፍልልይን ብዝሕነትን  ኣብ ዝተሓጽረ ክሊ ንምርግጋጽ’ዩ። እዚ ክውን ንምግባር ከኣ፡ ሓይልን ሰጡምን ማእከላይ ሱልጣን ክህሉ ኣድላዪ ኮይኑ፡ ንዞባታት ዝውሕጥን ዝህሰስን ዘይኮነ ብተውፋይነትን ትግሃትን ክግልግሉም ይግባእ። ከም’ውን እቲ ማእከል ብቶም ዞባታት ዝቅውምን ዝምሓድረን ይኽውን። በዚ መስረት ከኣ፡ እቲ ድኹም ዝኾነ ኣካል ኣብ ልዕሊ እቲ ሓይል ኣካል ጽልዋ ከሕድርን ከም’ውን ባእታታት ሓይሎም ከንጽባርቁ ዕድል ዝህብ ይኽውን። ሰለ’ዚ ፈድራላዊ ስርዓት ፎልይነትን ብዝሕነትን ዝደገፍን ሓርነት ቀዳምነት ዝህብን ኮይኑ ቅዱስ ዝተዓቅብ መሰል ኩሉም ዞባታት ብምዃኑ ዝውሕስ ስርዓት’ዩ።

 

በተመሳሳሊ ዶ/ መሐመድ ዑመር ምውሉድ፡- ፈድራሊዝም ማለት ጠቕላላ ንጥፈታት መንግስቲ ኣብ መንጎ ዞባዊ መንግሰታትን ማእከልን ዝምቃርሕሎ ፖለቲካዊ ስርዓት’ዩ። ከም’ውን ዞባውን ማእከላውን መንግሰቲ ንነፍሰ ወከፎም ዝምልከት ወሳኔታት ዝኽእሉ ገለ  ንጥፈታት ከህልዎም ይግባእ። ፈድራላዊ ሰርዓት 2ተ መልከዓት ዘለዎም መንግሰቲታ ፖለቲካዊ ሱልጣን ዝምቃርሑ የሓተት። ነፍሰ ወከፎም ደማ በቲ ቅዋም ዝንጽሩ መዳያት ናጽነቶም ዝተሓልወ ይኽውን። በዚ መስረት ከኣ፡ ዞኾነ ካብኣቶም ኣብ ዕማማት እቲ ካልኣይ ጣልቃ ከኣቱ ይብሉን።

 

በተውሳኺ ድማ፡ ፈድራልዊ ስርዓት ኣብ ዘተፈላልዩ ዝላዓለ ማእከልየ ይኹን ዝተሓት ዞባዊ ጽፍሒት ኣብ ምቅብባል ሱልጣን ፖለቲካዊ ብዝሕነትን ደሞክራስን ዝተምርኩሰ ሲቪላዊ ምሕደራ ዝውሕስ ስርዓት’ዩ።



ብልጨታት ፈድራላዊ ስርዓት

 

ፈድራላዊ ስርዓት ብርከት ዝብቭሉ ብልጨታት ዘለዎ ኮይኑ ኣገዳሲ ዝኾነ ካብኣቱም ንምጥቃስ ዘኣከል፡ ሱልጣን ብምምቅራሕ ኩሉ ዜጋ ተሳትፍነቱ ኣብ ውሳስዳ ወሳኔታት ብውክልቱ ኣቢሊ ዝረጋግጽሉ’ዩ። በተውሳኺ ኣብ ሓደ መንግስቲ ቦታታት ኣውሳስዳ ወሳኔታት በርከት ዘብሉ’ዩም። ፈድራላዊ ሰርዓት ኣብ 2ተ መትከላት ማለት፡ ደሞክራስያዊ ምርጫን ናጽነት 3ተኡ ሱልጣናት ( ሓጋግን፡ ፈጻምን ፍራድን) ዝምልኩስ ኮይኑ፡ ዞኾነ ካብኣቶም ኣብ ዕማማት እቲ ካልኣይ ጣልቃ ከኣቱ ይብሉን። በተወሳኺ ብድረጃ ማእከል ፈድራላዊ ሓጋግን ፈጻምን ሰልጣናት ዝህልዎ ኮይኖም ከም”ውን በተመሳሳሊ ብደረጃ ዞባ ኣልዎ። እዚ ከኣ፡ ናጻ ዝኾነ ፍራዲ ኣካል ከህሉ ይግባእ።

 

ከም’ውን ፈድራልዊ ሰርዓት ፖለቲካዊ ብዝሑነት የጽርጽን ናጻ ምርጫ ክምን ይገብርን ንከይዲ ዕዩ ዝተፈላልየ ኣካላት መንግስቲ ግልጽነት ዘለዎ ምቖጹጻር ይዓምቅን ንጡፍ ዝኾነ ተቓውሞ ናይ ምቖጺጻር ግደኡም ከጻውትን ዝፍቕድ’ዩ።

 

ፖለቲካዊ ፈድራላዊ ሰርዓት ሃገር ዝግዝእሉ ቅዋም ማሕበራውን ቁጠባውን ባህላውን ሃይማኖታውን ጸልዋ ዘለውም መተከላትን መርሆታትን ዝውነኑ ንጡፋት ፖለቲካዊ ሓይልታት ብዝገበረዎ ሰምምዕ ዝቐውም ኮይኑ ቀዋምን ንጹሩን ኣብ ግብራዊ ኣተጋባብራ ምፍልላይ ዘይቅብልን ንክሉም ዘተፈላለየ ኣኳዋውና ዝቅይድን ብዝተልምደ ኣገባብ ምምሕያሽ ዝግብርሉን ይኽውን።

 

ብልጫ ፈድራላዊ ሰርዓት ምሉእ ንምግባር ንኣብ መንጎ ዞባታት ከም ውዑሉን ስምምዕን ዝኾነ ሕብረታዊ ቅዋም ከይዲ ኣተጋባብራኡ ንምክተታልን ኣብ መንጎ ዝተፈላልየ ኣካላት መንግስቲ ንዝህሉ ግርጨት ንምእላይን ላዕላዋይ ናጻ ቅዋማዊ ቤት ፍርዲ ክህሉ ይግባእ።

 

ኣብ ላዕሊ ተጠቂሱ ዘሎ መሰረት ብምግባር ነዚ ኣብ ኤርትራ ክውን ንምግባር ፈድራላዊ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ ብምቋም እንቃልስሉ ዝጽንሕናን ዘሎናን’ዩ።

 

ሳልሳይ ምዕራፍ

ሌላ ምንቅስቓስና

 

ቐዳማይ መማርጺ ስላምን ማሕበራዊ ፍትሕን ምዕሩይ ዘላቒ ቁጠባዊ ልምዓትን ንምምርግጋጽን ንልዕልነት ዝኾነ ቀጸላ ብምውጋድ ሽርክነት ኣብ ሱልጣንን ሃብትን ዝውሕስ ደሞክራሲ ንምስፋንን ዝጽዕር ፖሎቲካውን ደሞክራስያውን ምንቕስቃስ’ዩ። ንሱ ድማ ፖሎቲካውን ብዝሕነት ዝኣምነንን ዕማማት ሓጋጊ፡ ፈጻምን ፈራድን ኣካላት ዝንጽረ ቀዋም ብምስራዕን ዘይሙእኩል ቁዋማውን ፌድራላውን ስርዓተ ምሕደራ ብምትካልን ይኽውን። ፌድራላዊ ደሞክራስያዊ ምንቕስቃስ ኤርትራ ሱልጣን ብስላማውን ደሞክራስያውን መንግዲ ምቕብባል ይኣምነን ንምጽራጹ ይጽዕርን።

 

ካልኣይ መማርጺ፡  ስላምን ደሞክራስን ኣብ ስቪላዊት ሃገር ብሽርክነት ስልጣን እትኣምንን ንልዕልነት ዝኾነ ቀጸላ እትውግድን ማሕበራዊ ፍትሒ ብምርግጋጽ  ሽርክነት ሃብትን መስላት ዘላቂ ቁጠባዊ ልምዓትን ንምውሓስ ዝጽዕር ፖሎቲካዊ፡ ዕልማናውን ልብራላውን ምንቕስቃስ’ዩ። ንሱ ድማ ንፖሎቲካዊ ብዝሕነትን ፖሎቲካውን ቁጠባውን መስላትን ዝኣምን ዘይሙእኩል ቁዋማውን ፌድራላውን (ሕብረታዊ) ስርዓተ ምሕደራ ብምትካል ይኽውን። ፌድራላዊ ደሞክራስያዊ ምንቕስቃስ ኤርትራ ዜግነት መስረት መስላትን ግቡኣትን ሞዃኑን ናጽነት ስልስቲኡ ስልጣናት ይእምን።



ዕላማታት ፈድራላዊ ምንቅስቓስ

 

  • ምንቅስቓስና ኤርትራዊ ብዝሑነት ብባህልን ሃይማኖትን ማሕበራዊ ልምዲታትን ዝቋውም ኮይኑ ኣብ መንጎ ዘተፈላለዩ ኣኳዋውና ሕብረተ ስብና ፎቱታዊ ፖለቲካዊ ውዑል ንምግባርን ፎልይነት እዞም ኣኳዋውና ዚኣቱም ዝኽበር ደሞክራስያዊ ሰርዓት ንምትካልን የጽዕር።
  • ብኩሉ ዝክኣል ኣገባባት ንትምክሕታዊ ስርዓት ህግደፍ ምውዳቕን ኣብ ነሱ ዝኣቅሙ ፖለቲካዊ ቅርጻ መስረታዊ ለውጢ ምምጻእን ምስራሕ።
  • ተሃምሹ ዘሎ ሓፋሽ ህዝቢ መሰላቱ ከፍልጥን መሰላት ካልኦት ከፍልጥን ከኣምነን ምንቂቃሕን ምውዳብን ፍረ ቃልሲ ምውዳቅ ትምክሕታዊ ሰርዓት ህግደፍ ብዝኾነ ወተሃደራውን ስቪላውን ኣካላት ከይጨወ ምጽዓር።
  • ዋነንት መሬት ቁጠባዊ መንጪ ብምዃኑ ንኩሉም ኣኳዋውና ህዝቢ ኤርትራ ማእካላይ ጉዳይ’ዩ። ሕቶ መሬት ንኣስቃቂ መግዛእታዊ  ተግባራት ዝተግሃደ ብምንባሩ ብፍላይ ብመግዛእቲ ኢትዮጵያ መሬት ብምሃብ ደግፍቲ ንምኽሳብን ከም’ውን ፖለሲ ምንዳድ መሬት ብምኽታል ንሰውራ ኤርትራ ንምግጣምን በውጺኢቱ ከኣ፡ ዜጋታታት ካብ መረብቱም ከፍንቅሉ ዝገሃደን ስርዓት ህግደፍ ዝኽይድ ዘሎ ትምክሕታዊ ፖለሲታት ኣብ ኤርትራ ዲምክራፍያዊ ለውጢ ንምምጻእ ባይታ ምድምደ። ሰለ’ዚ ፈድራላዊ ምንቅስቓስ ዝግብር ዘሎ ናይ ምስፊሕፋሕን ምጽንባርን ትልሚታትን ኣገባባትን ከቅዝልሕን ብስንኪ እዚ ፖለሲታት’ዚ ዝተግድኡ ክፍልታት ሕብረተ ሰብ ኤርትራ ልሊዪ ገደ ከኣ፡ ኣብ መድረኽ በረታዊ ቃልሲ ዝንብሩም ከንሱ ራብሓታቱም ከክላኽልን ብፍላይ፡ እቶም ንባራት ጋሱትን ሓርስቶትን ካብ ኣቦታትቶምን ኣቦሕጎታቱምን ዝውርስዎ መሬት ከውነኑ ይግባእ። መንግስቲ ኣብ ጥቅሚ ዘይውዕለ መሬትን ካብ መጓስን ባህርያዊ ሃብትን (Nature Reserves) ናጻ ዝኾነን ምዕቅኒታት ሃገራውን ገዳማዊ ስእስማልን ከምይነት ከጥቅምሉን ከውፍርሉን ዝንጽር ሕግታትን  ሰረታትን ብምስራዕ ኣብ ራብሓ ጠቅምቲ እቲ ከባቢ ንምውዓል ይኽውን።
  • ተቅብልነት ኩሉም ኣኳዋውና ህዝቢ ኤርትራ ዝረኽበ ብቀዋምቅዊ ቅዋም እተምሓደር ሃገር ብመንግዲ ሓቕኛን ናጻን ብቅልጽነት ዝስፍነን ሃገራውን ዞባውን ዓለም- ለኻውን ተዓዛበነት ዘለዎ ምርጫ ናብ ሱልጣን ንምደያብ ንብሱ ይዳሉ።

 

ኤርትራዊ ሃገራዊ ምቆምያታት ፈድራላዊ ምንቅስቓስ

 

ፈድራላዊ ምንቅስቓስ ኩሉ ኣኳዋውና ህዝቢ ኤርትራ ዝተሰማምዓሉም ሃገራዊ ምቆምያታት ምንጻር ኣገዳሲ ምዃኑ ብምርኣይ ሰጥመቱን ሓድነቱን ንምዕቃብ ዝውሕሰን ፍልልያት ምስ ዝህሉ ንኩሉ ዝፍረድ ምውክሲ ይኽውን። ብተርድኡ ፈድራላዊ ምንቅስቓስ ሃገራዊ ምቆምያታት ማለት ጉዳይ ኤርትራ ከም ፖለቲካዊ ሕቶ ዝተብገስሉ እዋን ኣትሒዙን ወይ ኣብ መጻኢ ምዕብሉም ከምጹ ዝእኽእሉ ጉዳይት ኩሉ ዝሰማምዕለኡ ምቆምያታት’ዩ። ከምዝሰዕብ ከኣ፡ ተንጽሩም፡-

  • ኤርትራ ካብ መግዝእቲ ጣልያን ብዝተውርሰ ጆግራፊካዊ ዶባትን ዘተፈላልየ እትኒካውን ባህላውን ሃይማኖታውን ጉጅለታት ዝንብርሉ ሃገር ኢያ። ኤርትራ ከም ሃገር ብምሉእ ከተምቃቅል ይኹን ብምሉእ ወይ ብክፋል ምስ ካልእ ከትጽንበር ኣብ ተካልዊ ቅዋማዊ ኣሰራርሓ ሃገር ብኩራት ናጻ ህዝባዊ ድልየት ምስ ዝህሉ ቅቡል ክኽውን ኣይኽእልን። ሃገር ኤርትራ ልዑላውንቱን ናጽነቱን ዝተዓቅብ ኮይኑ ካብ ዝኾነ ግህሰታት ምክልኻል ከግብርሉ ይግባእ።
  • ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓድነት ኣብ ሰረታት በሓባር ምንባር ናይ ዝሕልፉ ውልዶታት ዝተምርኩሰ’ዩ። ኤርትራ ከም ናጽ ሃገር ንምርገጋጽ ኣብ ዝተግብረ ሓርነታዊ ተጋድሉ ናይ ቃልሲ ሓድነቱ ብምፍጣር ሰረታት በሓባር ምንባር ብዕምቁት ከጽርጽ ከእለ። ሰለዚ ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓድነት ኩሉም ማሕበራውን ባህላውን ኣካቅዋውናኡ ብወላንታ ዝውሰድዎ መርጫ ዝረጋግጽ ኮይኑ ንሃገራዊ ሓድነት ዝብድህ ጸገማት ምስ ዝክሰት ሓፈሻዊ ሃገራዊ ጉባኤታት ብምግባእ ኣብ ክሊ ልዑላውነት ቅዋምን ሕግን ማሕበራውን ቁጠባውን ምርግጋእ ዝስፍኑ ሃውቅሆ ዝፈትሕ ይኽውን። ከም’ውን ኣብቀጻሊ ብናጻ ድልየት መጻኢ ውልዶ ኣብ ግም ዝውስደ ይኽውን።
  • ዋነንት መሬት ንኣብቲ ከባቢ ካብ ጥንቲ ታሪኽ ዝንበር ዝንብርን ዘሎን ህዝቢ ይኽውን።
  • ካብ ዝተፈላልዩ እትንካውን ሃይማኖታውን ባህላውን ፖለቲካውን ድሕሪ ባይታ ዘልዎም ኤርትራዊ ቅጽለታት ብሕጋውያን ውከልቱም ዝተሳትፍዎን ዝውሰንዎን ንመሰላቱም ዝከላኽልን ምምቅራሕ ሱልጣንን ሃብትን ዝውሕስን ብዝሕነት ኣኳዋናን ኤርትራ ብግሁድ ዝገልጽን ብኣውንታ ከትሓዝን ብዝተስርዐ ቅዋም እትግዛእ ሃገር’ያ።
  • ኣብ ክሊ ሰቪላውን ሻራ ኣልቦ ዝኾነትን ንኩሉም ኣኳዋናን ህዝቢ ኤርትራ እትውክል ሃገርን ብመሰረት ዜግነትን ገደታኡ ምምላእን መሰላትን ግብኣትን ንኩሉ ዝተግብርሉ ኮይኑ ብቑዕ ሰብ ኣብ ዝብቅዓሉ ከስርሕ ብምግባር ካብ ምግባት ሱልጣንን ሃብትን ዘይምርግጋእ ከፍጥር ዝኽእል ምህማሽን ብምርሓቅ ይኽውን።
  • ቋንቋታት ዓርብኛን ትግረኛን ዕላውያን ቋንቋታት ሃገረ ኤርትራ ብምዃኖም ብምእማን  ፌ.ደ.ም.ኤ ብምልካዊ ሰርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ኣብ ልዕሊ ቋንቋ ዓረብኛ ዝግብር ዘሎ ግህሰት ከም ግዳል ባህሊ መስረታዊ ኣኳዋና ህዝቢ ኤርትራ ብምዃኑ ሃገራውን ዕላውን ቋንቋ ከትኽውን ብዑቱብ ይቃልስ። ከም’ውን መሰል ምምዕባል ቋንቋታት ኩሉም ማሕበራዊ ኣኳዋና ህዝቢ ኤርትራ ንምውሓስ ይኣምን። ንራብሓ ሓደ ባህሊ ንምጽራጽ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ባህላዊ ውርሽታት ምህቃቅን ምጥፋእን ብምምካት መንግስቲ ብምንገዲ ሞያዊ ማእከላት ነዚ ሰብኣዊ ውርሻ’ዚ ንምዕቃብ ፌ.ደ.ም.ኤ ይተባብዕ’ዩ።
  • ኤርትራዊ ዜጋ ናጽነቱ ዝተውሓሰ ኮይኑ ሓርነታትን ክብሪታትን ካልኦት በዘምግሃስ ኣብ ዝተፈላልዩ ሰነ-ሓሳባውን ዜናውን ቁጠባውን መዳያት ከዋስእ ምሉእ መሰል ኣልዎ። ከም’ውን ብሰልማዊ መንገዲ ኣብ ሱልጣን ክምጽእ መሰሉ ዝተሓልወ ይኽውን።
  • ሃይማኖት ቅንዲ እምኒ ኩርናዕ መግልጺ ኣኳዋና ሕብረተ ስብ’ዩ። ምልካዊ ሰርዓት ህ,ግ,ደ.ፍ ኣብ ልዕሊ ሃይማኖት ዝግብሩ ዘሎ ግህሰት ብምንጻግ ፌ.ደ.ም.ኤ ሃይማኖት ኣገዳሲ ቦታ ኣብ ሕብረተ ስብ ኤርትራ እናኣምነት ኣብ መንጎ ዘተፈላልየ ኣኳዋና ድረት ኮይኑ ንሓድነቱም ከይሃርም ይቃልስ ምዃኑ የረጋግጽ። ንዝምድናታት ሃይማኖትን መንግስትን ዝንጽሩን ናጽነት ሃይማኖታዊ ጽሎት ኩሉ ዜጋ ዝፍቅድን ኣህጎራዊ ቻርታራት ይምኽባር።
  • ህዝቢ ኤርትራ ብሰላም ከንብርን ኣብ ውሽጣውን ገዳማውን መዳይት መንጪ ኤርትራዊ ፖለሲ ንምሕንጻጽ ኣገዳሲ ዝኾኑ ኤርትራዊ ባህሊታት ብምኽባር ከምዕብሉን ከዕቅቡን ይግባእ። በዚ መሰረት ከኣ፡ ፖለቲካውን ሃይማኖታውን ጽግዕነትን ተምክሕታዊ ኣርኣእያን ዝብጋግሱ ተግባራት ኣብ ድሑር ሰነ-ሓሳብን ንህላወ ካልኦት ዝንጽገን ባህላዉን መነንቱም ዝጥፍእን ብምዃኑ ንምውጋዱ ፌ.ደ.ም.ኤ ይቃልስ። 

 

ራብዓይ ምዕራፍ

ርኢይቶን መደብን ፌ.ደ.ም.ኤ ብዝዕባ መድረኽ

ምውዳቕ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍን ተካልዊ መሓውራቱን

 

ምልካዊ ሰርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ንፍተሓዊ መሰላት ህዝቢ ኤርትራ ብምጭፍላቁ ፌ.ደ.ም.ኤ ህዝብና ንምድሓን ዓለም-ለኻዊ ተፋላጥነት ዝተረጋግጸ ልዑላውንት ንምዕቃብን ነዚ ሰርዓት’ዚ ንምግጣም ሃገራዊ ግቡእ ምዃኑ ብምውሳድ ካብ ኣብ መድረኽ ሰውራ ኣዝዩ ዝተጽንኩረ ቃልሲ ብምህላውና ንምውዳቅ ሰርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ብኩሉ ዝክኣል ሕጋውን ሰላማውን ወተሃደራውን ኣገባባት ቃልሲ ብንጥቃም ብኽምዚ ዝስዕብ ይኽውን፡-

  • ባህጊታት ኩሉም ኣኳዋናን ህዝቢ ኤርትራ ዝምልስን ንሃይማኖታውን ባህላውን ፍሉይነቶም ዝንጽባርቅን ብሓባር ምንባርን ሕድሕድ ምድገጋፍን ዝጽርጽን ባህሊ ሰላምን ሕድገትን ሃናጺ ዘትን ዝስፍንን ቅንጽላታት ዝንጽግን ሃገራዊ ተምክሩ ንምህናጽን ምጉልባትን ምስራሕ።
  • ምዕቡል ፖለቲካዊ ኣካል ንምህናጽ ምስ ኩሉም ሓድነታዊ ኣራእኣያን ብፈድራላዊ ፍታሕ ዝኣምኑን ዝላቂ ትልሚታት ልምዓትን ዝርጋሐ ፍትሕን ሓቅኛ ሓርነትን ንምስፋን ተጽቢት ዝግብርሉ ዘሎ መሰረታዊ ፖለቲካዊ ልውጢ ንምምጻእን ኤርትራዊ ወሳኔ ካብ ናይ ደገ ተጽዕኑ ናጸ ንምዕቃብን ሃገራዊ ድልየት ንምልዕዓልን ደልየት ዘልዎም ሓይልታት ምስራሕ።
  • ኣብ ህንጸት ናጻን ሓላፍነታውን ሕብረተ-ሰብ ኣገዳሲ ተራ ዘልዎም ሲቪካዊ ማሕበራት ምቱኳር።

 

ነዚ ብሰላማዊ መሰላጥያታት ንምርግጋጽ ከኣ፡-

  • ራብሓ ሃገር ቅዳምነት ዝህብን ካብ ባሕታዊ ተርድኦታት ናጽ ዝኾነን ሃገራዊ ዓቕምታት ኣብ ትሕቲ ሓደ ሰፊሕ ጽላል ብምጥርናፍ ጽቢብ ራባሓታት ብምስዓር ሓፈሻዊ ሃገራዊ ራብሓ ብምቅዳም ኣብ ክሊ ዞባውን ኣህጎራውን ሰብኣዊ ተካላትን ተምክሕታውን ኢ-ሰብኣዊ ተግባራትን ፖለቲካዊ ገፍዒ ሰርዓት ህ.ግ.ደ.ፍን ንምቅላዕ ሓያለ ዜናዊ ውፍሪታት ምክያድ።
  • ንዘድለ ልወጢ ዓቢ ጽልዋ ንምሕዳርን ገድላዊ ዓቕምታት ንምምሊላእን ምነጢጣፍን ስፊሕ ህዝባዊ ንቅሐት ንምፍጣር ምስራሕ። ከም’ውን ኣብ ወተሃደራውን ሰቪላውን ተካላት ሰርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ዘሎ ሃገራዊ ዓቅምታት ኣብ ጎነ ሓፋሽ ደው ክብሉ ብምጽዋዑም ምልካውን ተምክሕታውን ጀንዳ ሰርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ንምእላይን ተሃምሹም ዘለዎ ሓይልታት ኣብ ግዕዞ ፖለቲካዊ ለውጢ ቦታኡም ከሕዙ ንምልዕዓልን ተምክሕታዊ ኣረእኣያ ብሓፈሻ ካብ ሱሩ ንምውሓው ምውህሃድ ምግባር።
  • ንናጽነት ፖለቲካዊ ወሳኔታት ተቓውሞ ዘይተንከፍን ንመትከላት ሃገራዊ ልዑላውንትን ሓድነት ሃገረ ኤርትራ ዝዕቅብን ኣብ ሕድሕድ ምክበባርን ሓባራዊ ራብሓታን ዝተምርኩሰ ስረታት ብሰላም ንምባር ንምጽራጽ ምስ ጎረባብቲ ሃገራትን ህዝብታትን ምስራሕ።

ገድላዊ ወተሃደራዊ መሰላጥያታት ከኣ፡-

-          ጭፍጫፊ ምሓውራት ሰርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ንምድኻምን ንስቕያት ህዝብና መንጪ ዝኾኑ ባእታታት ንምቅጻዕን ዝገብሩ ወተሃደራውን ስተራትጂካውን ትልሚታት ምስራዕ።

-          ንኣንጻር ህዝቢ ተጸሚዱ ዘሎ ናይ ጨፍጨፋ ምሓውራት ሰርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ዝምውላ ዘልዋ ገባቲ ቁጠባዊ ተካላቱ ምህራም።

-          ድሕነት ዜጋታት ምሕላውን ብዘተኽእለ መጠን ናዓኡ ሰላም ዘስፍኑ ከባቢታት ንምፍጣርን ምስራሕ። ከም’ውን ኣብ ወተሃደራዊ ተካል ተዋፍሩም ዘልዎ ዜጋታት ከርሕርሕዎን ኣብ ዘካይድ ዝድለ ዘሎ ልውጢ ተራኦም ርክቱ ኣብ ጎኒ ተቓውሞ ንከሰልፉ ምትበባዕ።

-           

ሓሞሻይ ምዕራፍ

ርይኢቶ ፌ.ደ.ም.ኤ ብዛዕባ መሰጋግሪ መድረኽ

 

መሰጋግሪ መድረኽ ማለት ብቀጠታ ድሕሪ ምውዳቕ ሰርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ዘሎ መድረኽ’ዩ። ኣገዳስነትን ሓደግኛትነት እዚ መድረኽ’ዚ ብምግንዛብ ንጽጥታ ሃገርን ዜጋታትን ዝዕቅብን ናይ ሱልጣን ባዶነት ዝምልእን ዝተምንዝዑ መሰላት ዜጋታት ዝምልስን መድረኻዊ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ምውናን ኣድላዪ ይኽውን። ነሱ ከኣ፡-

ቀዳማይ፡ ንኩሉ ኤርትራዊ ቅጽለታትን ፖለቲካዊ ተካላትን ሃገራዊ ባእታታትን ሲቪካዊ ማሕበራትን ሳይንሳዊ ሰብ ሞያን ኣብ ሲቪላዊ ኣግልግሎት ዝስርሑ ዘልዎ ካብ ገባናት ናጽ ዝኾኑ ዜጋታትን ዝሳተፈ ጉባኤ ንሃገራዊ ዕርቂ ብምክያድ ንምቆምያታት ሃገራዊ ሓድነትን ሰረታት ብሰላም ምንባርን ዝረጋግጽን ቅርሕነትን ፖለቲካውን ወልቃውን ጽልኣት ንምእላይን ዝስርሕ ኮይኑ ርግኣት ዝስፍኑ ሕብረተ -ሰብ ንምህናጽ ንሓቕታት እተጻሪን ሓፈሻውን ገላውን ዝተፍጽሙ ገባናት እተላልን ጹማቑ ናብ ናጻ ሲቪላዊ ቤት ፍርዲ እትቅረብ ኮምሽን ብምቛም ይኽውን።

ካልኣይ፡ ፈድራላዊ ቀዋም እትንደፍ ካብ ኣብ ሕጋውን ፖለቲካውን መዳይት ብቅዓት ዘለውም ሰብ ሞያ ሃገራዊ ኮምሽን ምቓም።

ሳልሳይ፡ ንሃገር እተማሕደር ዓይነት መንግስቲ ንምቛም ምሰምማዕ።

ራብዓይዓለም-ለኻዊ ሕግታት ብዝንጽሩ መስረት መተካላት መሰረታዊ ሓርነታት ከም ናጻ በረስን ምምስራት ሰልፊታትን መሰል ምትእኽኻባትን ሰለማዊ ሰልፊታት ምግባርን ካልኦት ብደረጃ ሃገርን ዓለም-ለኻውን ዝተጝቅቡ ሓፈሻውን ገላውን ሓርነታት ምእዋጅ።

ሓሞሻይ፡ ጉባኤ ንኣብ ምውዳቕ ሰርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ኣብርክቱ ዝንብሩም ዝስፍሐ ፖለቲካዊ ሓይልታትን ምስ ካልኦት ተሳትፍትን ኮይኖም ብዝዓብየ ብጽሐት ውክልና ዝረጋግጽሉምን ንኩሉም ኣኳዋውና ዝጠቓለለ መሰጋግሪ ሓጋጊ ኣካል ብሰምምዕ ምቛም ንዝተውስነ ጊዜ መሰጋግሪ መንግስቲ ነዞም ዝሰዕቡ ዕማማት ዝዓምም ምምስራት፡-

  • ነጡፍን ሞያውን ካብ ሓጋግን ፈጻምን ኣካላት ናጻ ዝኾነ ፍራዲ ብምምስራት ብህዝቢ ዝትኽብረን ዝተኣማምነን ከኽውን ይግባእ።
  • ፖለቲካውን ሰነ-ሓሳባውን ሃይማኖታውን ድሕሪ ባይታ ዘለዎም ኡሱራት ምፍታሕን ዕጫኡም ዘይተፍልጠ ባእታታት እተጻሪ ሽማግለ ምምዛዝን።
  • ሰበ-ሱልጣን ሰርዓት ህ.ግ.ደ.ፍን ምጋባርያኡምን ኣብ ምስዋር ዜጋታታት ኢድ ዝልዎምን ናብ ፍትሒ ምቅራብ። እቶም ካልኣዊ ገደ ዝንብሩምን ንህዝቢ ሓደጋ ዘይኮኑ ኣብ ክሊ ሃገራዊ ዕርቂ ንተሓታትነት የቕርቡ ምግባር።
  • ናይ ሰደተኛታት ቁጽራ እትግብርን ናብ ካብ ዝተፍናቅልሉ ቁሸታቱምን ዓዲታቱምን  ወይ ብወላንታ  ኣብ ዝምርጽዎ ከባቢ ንምስፋር - ንፈቓድ ዋናታት እቲ መሬት ክኽውን ይግናእ- ባይታ እትምድምድን ኣድላዪ ዝኾነ ነግራት እትቕረብ ኮምሽን  ሰደተኛታት ምቛም።
  • ንሰደተኛታት ሕጋዊ ምኽሪን ናዓኦም ዝክላኽልን ንዓዱም ክምልሱን ከረጋግኡን ነብረቶም ከምልሱን ከንብሩን ዝሕግዝዎምን ኣህጎራዊ መሰላት ክላልዩን ዝግብሩ ሲቪካውያን ማሕበራት ከቑማ ዕድል ምሃብ።
  • ብሰርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ዝተንድፈ ኣዋጃትን ሕግታትን ዳግምይ ምርኣይ ምግባርን ኩሉም ናይ ጨፍጨፋ ምሓውራቱ ምፍራስን ንኩሉም ኣኳዋውና ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ዝንጽባርቀን ንጽጥታ ሃገር ዝቁጻጽርን ድሕነት ህዝቢ ካብ ውልቃውን ውዱብን ገባናት ንምሕላውን ዜምናውን ዓይናታውን ወተሃደራዊ ተካል ምህናጽን ፖለሲታት ጉዱድ ዕስክርና ምስራዝን መደብራቱ ምዕጻውን።
  • ኣብ ሃገራዊ ምቆምያታትን ግልጽነትን ምምቅራሕ ምዕረ ዕድላት ኣብ መንጎ ሓበረተ-ሰብን ብምርኩስ ብምግባር ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ኣብ ሲቪካዊ ኣግልግሎት ዝኽትሉ ዝጽንሐ ፖለስን ኣግልግልቱን ቅርጻኡን ዳግማይ ስርርዕ ምግባር።
  • ካብ ጊዜ ዜውዳዊ ሰርዓት ዝትምንዝዐ መሰላትን ንብረትን ናብ ቅንዲ ዋናታቱ ንምምላስን ብምልካዊ ሰርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ዝተውስደ መሬት ዋኒንቱ ንምድስካን እትስርሕ ካብ ዓሚቕ ድሕሪ ባይታ ዘለዎም ዜጋታታ ሕጋዊት ሽማግለ ምቛም። ከም’ውን ንብረት ግዛኢ ሰልፊ  ሰርዓት ህግደፍ ምቅጻር።
  • ምቛም ፖለቲካዊ ሰልፊታት ዝፍቕድን ናጻን ግሉጽን ሃገራውን ዞባውን ኣህጎራውን ዝተዓዝብቲ ዝሳትፍዎ ምርጫታት ንምክያድን ካብ መሰጋግሪ መንግስቲ ናብ ብህዝቢ ዝተምርጸ መንግስቲ ሱልጣን ንምስገጋርን ፖለቲካዊ ባይታ ንምምድማድ ኣዋጃት ምውጻእ።
  • ብስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ተንጽሩ ዘሎ  ምምሕዳራዊ ምምቕቓል ዞባታት ኤርትራ ብምስራዝ ብመግዝኣቲ ኢንግሊዝ ተንጺሩ ዝንበረ ምምሕዳራዊ ቅርጻ ኣብ መሰጋግሪ መድረኽ ንምምላስ ምግባር።

 

ፖለቲካዊ መደብ-ዕዮ ፌ.ደ.ም.ኤ

ኣብ መድረኽ ድሕሪ ምርገጋጽ ለውጢ ኣብ ኤርትራ

 

ፌ.ደ.ም.ኤ ከም ፖለቲካዊ ውድብ መጠን ኣብ ምውዳቕ ምልካዊ ሰርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ኣብዝተግብረ ተጋድሎ ተራኡ ድሕሪ ምብርካትን ጉቡኣት መሰጋግሪ መድረኽ ምምላእን ሰላምን ጽጥታን ዝስፍኑ ሃገርን ሕብረተ-ሰብን ብምህናጽ ኩሉ መሰላቱን ግቡኣቱን በዘይኣድልዎ ዝረኽብሉን ሰላም ኣብ ክንዲ ኳናት፡ ምትእሚማን ኣብ ክንዲ ምጥርጣር፡ ሕድሕድ ምክበባር ኣብ ክንዲ ምክሕሓድ፡ ካብ ምገላልን ምግሳይን ምርሓቅን ባህሊታትን ክብሪታትን ልምዲታትን ኩሉም ኣኳዋውና ህዝቢ ኤርትራ ንምኽባርን ክጽዕር። በዚመሰረት ከኣ፡ ፌ.ደ.ም.ኤ ነዞም ዝስዕቡ ፖለቲካዊ መትካላት ይቅምጥ፡-

ቀዳማይ፡ ኣብ ኣህጎራዊ ውዑላትን ቻርታራትን ንሰብኣዊ መሰላት ዝምልከት ስፊሩ ዘሎ መሰላትን ሓርነታትን ብምቅያድ ንምዕቃቦምን መተግባሩምን ንኣብነት ዝኣክል ዞም ንዘስዕቡ መሰላት ምቅማጥ ንርኢ፡-

  • ውልቃዊ ሓርነት።
  • መሰል እምንቱ።
  • መሰላት ሓሳብ ምግላጽን ውዳብን ምእካብን።
  • መሰል ማዕርነትን ኣድልዎ ዘይምግባርን።
  • መሰል ምንቕስቃስን መንባርን።
  • መሰል ምርካብ ትምህርቲ።
  • መሰል እትኒካውን ባህላውን ጉጀለታት ባህሊታቱም ክጽርጹን ክምዕብሉን ነዚ ኣብ ኣህጎራዊ ሕግታት ስፊሩ ዘሎ ጠቕላላ መሰላት ምኽባር።

 

ካልኣይ፡-

  • ኤርትራ ኣብኣ ዝንብሩ ዘልዎ ኩሉም ማሕበራውን ባህላውን ኣኳዋውናን ብውላንታን ዜግነታዊ ጉቡኣት ንዝማልእን ሃገር ኮይና ንኣውንታውን ሎልይን ኤርትራዊ ሃገራዊ መነንት ዝንጻብርቁ ዝተፈላልዩ እትንካትን ባህሊታትን ዝሓቅፈት’ያ።
  • ኤርትራ ሲቪካዊ ሃገር ኮይና መሰል ዜግነት ከም ምዕቅኒ ምርኩስ ብምግባር ፖለቲካዊ ሰምምዕን ማሕባራዊ ስጥመትን ባህላዊ ምረዲዳእን ብሰላም ንምባርን ብውላንታ ዝስፈኑ ሕበረተ-ሰብ ምህናጽ።
  • ኣብ ኣህጎርና መስረታዊ ጥንቂ ግርጪታትን ኳናትን ኮይኑ ዘሎ ምቁጺጻር ሃብትን ሱልጣንን ብምግንዛብ ሃገርና ኤርትራ ኣብ ከምዚ ዝኣምስለ ቁርቁስ ከይተኣቱ ፍትሓዊ ምምቅራሕ ሃብትን ሱልጣንን ከውን ዝግብርን ፈድራላዊ ቅዋማዊ ዘይምእኩል ምሕደራ ዝሓሸ መማርጺ ብምዃኑ እዝኽተል ሰርዓት ምህናጽ።
  • ቅዋም ዝተምስረተን መሰላት ኩሉም ኣኳዋውና ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ካብ ጽቅጢ ዝዓቕበን ሓርነት ሰብኣዊ ክብርን ተፍጥራዊ ሂያብን ምዅኖም ብምግንዛብ ናጽነት ፈደራልውን ዞባውን ስልጣናት ብመትከል ምእማንን ንምተግባሩ ዕማማት ንፍሰ ወከፎም ዝንጽርን ዝቁጻጽርን እምነታትን ክብርታት ኩሉም ዜጋታት ዝኽብርን ሕግታት ምስራዕ።

 

ሳልሳይ፡-

ፌ.ደ.ም.ኤ ኤርትራዊ ዜጋ ናጻ ምዃኑ ብምእማን ብዝንጥፉ ዘልዎ ፖለቲካዊ ሓይልታት ዝቅረብ መማርጺ ሓሳባት ከቅብልን ከንጽግን ምሉእ መሰል ኣለዎ’ዩ። በዚ መስረት ከኣ፡ ዘልዎም ራእይ ኣብዞም ዝስዕቡ መዳያት ከትንጽር ይህልዎ፡-

 

መንግስትን ሃይማኖትን

 

ኤርትራዊ ግንባር ንኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ብዘይዝኾነ ሃይማኖታዊ ይኹን ንሄራዊ ፍልልይ ብሰላም ክነብር መስላቱ ትሕሉ፡ ንባህልታትን ልምድታትን /ሰብ ኤርትራ ተኽብር፡ ሲቪላዊት ሃገር ክትህነጽ ኣብ ዝግንዘበሉ ህሞት፡ ኣብ መንጎ ሃይማኖትን መንግስትን ኣውንታዊ ዝምድናታት ክሕሉ ይኣምን። ሃይማኖት መሳርሒ ንምብትታን ሓድነትን ክውንነትን /ሰብ ኤርትራ ክውሰድ ከም ዘይብሉ ድማ ይግንዘብ። ኤርትራዊ ግንባር ሃይማኖት ኣብ /ሰብ ኤርትራ ዓቢ ግደ ዘለዎ ኣብ ምህናጽ ኣገደስቲ ግለ-ሰባትውን መሰረታዊ እጃም ዝጻወት ምዃኑ ይኣምን። ስለዝኾነ ኣብ ሓፈሻዊ ኣተዓባብያን ህንጸንትን ዘለዎ ኣገዳሲ እጃም ብምኽሓድ ተርኡ ብቀሊሉ ክስገር ዝኽእል ኣይኮነን።

 

ብሄራዊ ሕቶን መሰል ርእሲ ወሳነን

 

እዞም ከልተ ሕቶታት እዚኣቶም ኣብ ሕሉፉን ህልውን ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ውድዕነት ካብቶም ኣዝዮም ኣካታዒ ዝኾኑ ጉዳያት እዮም። ምኽነያቱ ንሰነ-ሓሳባውን ሰብኣውን መግለጺታትን ናይ ሰብኣዊ ሕብረተ-ሰባት ምዕቅኒታትን ምላልዪ መስርሒታን ከም’ውን ኣህጎራዊ ቻርተራትን ውዑላትን ንኤርትራ ንብይና ብፍሉይነት ዝተኣሳስረ ዞባውን ኣህጎራውን ምዕባለታትን መርኩስ ብምግባሩም’ዩ። ፌ.ደ.ም.ኤ እዞም ሕቶታት እዚኣቶም ፖለቲካዊ መማርጺ ሓሳባት ብምቅራብ ዝተኣሳስረ ዘይኮነስ ምሰ ጉዳይ መነንትን ባህሊታት ማሕባራውን ሰብኣውን ኣኳዋውናታትን ታሪኻዊ ምዕባለኦምን ብሓፈሻ ብሞያውያን ማእክላትን ካብ ጉጅላዊ ወይ ፖለቲካዊ ኣካል ድልዪታትን ባህግታትን ናጻ ዝኾነን ዕምቀት ዘለዎ ሳይንሳዊ መጽናዕቲታት ብምድላው ፍታሕ ዝግብረሉም ይኽውን። ኣብ ህልዊ ኤርትራዊ ሂወትና እዚ በዘይምምላኡን  ኣብ ልዕልነት ቅዋምን ሕግን ዝስፍነ ሃገር ወሳኔኡ ንህዝቢ ኤርትራ ብመንገዲ ወክልቱ ዝርአ ብምዃኑ ብምግንዛብ ነዞም ዝስዕቡ ሓቕታት ነረጋግጽ፡-

  1. ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ እትኒካውን ቋንቋውን ባህላውን ሃይማኖታውን ብዝሕነት ዘለዎ ብምዃኑ ፖለቲካዊ ሓይልታት ነዚ ብምእማንን መስረታዊ መግለጺ ስረታት ኤርትራዊ ሃገራዊ መነንት ብምግንዛብን ነዚ ዘንጽባረቕ ሽርክነት መሰላትን ግቡኣትን ኣብ ኩሎም ጽፍሒታት ምምእዛዝ።
  2. ጸገማት እዚ ብዝሕነት'ዚ ኣብ መንጎ ዝተፈላልዩ ፖለቲካውን ማሕበራውን ባህላውን ኣኳዋውና ህዝቢ ኤርትራ ብፍቱቶምን ናጻ ድልየቶምን ምስ ምዕባለታት እቲ መድረኽን ባህረኡን ኣብ ግምት ብምእታው ንኩሉ ዝሳተፈ ሃገርዊ ጉባኤታት በብጊዜኡ ብምድላው ወጽኢቱ ድማ ጠቕላላ ሃገራዊ ሰኒት ብምግባር ዝፍታሕ ይኽውን። 
  3. ፌ.ደ.ም.ኤ ፈደራላዊ ፍታሕ ከም ኣብነታዊ መማርጺ ምእላይ ህልውን መጻኢን ጽገማት ኤርትራዊ ብዝሕነት ብምቅራቡ ንህልዊ ኤርትራዊ ውድዕነት ንምፍዋሱ ክሰርጽ ብምስራሕ ኣብ ላዕሊ ተጠቂሱም ዘለዎ ሃገራዊ ጉባኤታት ኣብ ምሰራጽ ስረታት ሓፈሻዊ ርግኣትን ዘላቂ ሰላምን ኣውንታዊ ምሰነናቅን ንመጻኢ ውልዶ መሰረታት ብሓባር ምንባርን ብናጻ ድልየቶም ሓባራዊ ምዕባለ ከምዝግቡን ብምቅያድ ነረጋግጽ። እዚ ድማ፡ ኣብ ምእላይ እትኒካውን ባህላውን ጸገማት ብሓፈሻ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ብፍላይ ኣብ ኣህጎራዊ ቻርተራትን ውዑላትን ስፊሩ ይርክብ።
  4. ተርድኦ መሰል ርእሰ-ወሳኔን ኣብ ቀድመ ኩነት ምፍጻሙን ኣብ ሓደ ሕብረተ-ሰብን ካልእን ከም'ውን ኣብ ሓደ ታሪኻዊ መድረኽን ካልእን ዝፈላለ'ዩ። ብስንኪ ሰርዓት ህ,ግ,ደ,ፍ ኣብ ልዕሊ ዝተፈላልዩ ኣኳዋውና ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ዝውርድ ዘሎ ኩሉ መዳያዊ ውጽዓታት ነኣምን ንኹን ዳ'ምበር ኣብ መንጎ ዝተፋላልዩ ኣኳዋውና ኤርትራዊ ገድሊ ምእንቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ንምርገጋጽ ብዝፈቅዱ መድረኻዊ ባይታ መሰረት ፍታሕ ዝናድይሉ ይኸውን። እዚ ጉዳይ’ዚ ድማ ዞባውን ኣህጉራውን ጽልዋታት ዘለዎ ብምዃኑ፡ ነዚ መማረጺ ሓሳብ’ዚ ብልክዕ ንምራኣይ፡ ኣብ ልዕላውነት ቅዋም ዝተሞርኮሰ፡ ብሽርክነት ስልጣንን ሃብትን ዝኣምን፡ መሰላት ኤርትራዊ ብዙሕነት ዝዕቕብ፡ ክብረታትን ባህልታትን ኣኸዋውና ህዝብና ዘኽብር፡ ምስ ከባብን ዓለም ብሰላም ሓቢርካ ምንባር ዝኽተል መንግስቲ ምስ ዝትኸል ዝርአ ይኸውን። ንሱ ድማ ንጸገማት ኢትኒካውን ባህላውን ብዙሕነት ብሓፈሻ፡ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ከኣ ብፍላይ ንምፍትሑ ኣብ ኣህጉራዊ ዋዕላትን ቻርተራትን ሰፊሩ ይርከብ።  
  5. ሃይማኖት ካብቶም ቀንዲ መቕረጺ ኤርትራዊ መንነት፡ ብዙሕነት እምነት ኣብ ኤርትራዊ ማሕበራዊ ኣኸናውና ምዃኑ ዘካትዕ ነጥቢ ኣይኮነን። ስለዚ ፌ.ደ.ም.ኤ መሰል ሃይማኖታውን መንፈሳውን እምነትን ክብርታትን ኩሉ ኣኸዋውና ሕ/ሰብ ኤርትራ ንምዕቓብ ይኣምን። መሰል እምነትን ምውሓስ ሃይማኖታዊ ጸሎትን ንምውሓስ ብመሰረት ኣህጉራዊ ረቋሒታት ንምፍታሑ ዝቕየድ ምዃኑ የረጋግጽ። መንግስቲ ኣብ ሃይማኖታዊ ትካላት ኢድ ምትእትታው ከይገብርን መሳርሒ ንሓድነታዊ ዝኾነ ይኹን ኤርትራዊ ኣኸዋውና ንምፍራስ ከይኸውን ብዕቱብ ክቓለስ’ዩ       

 

  1. ፌደምኤ ፈደራላዊ መማራጺ ሓሳብ ንጸገማት ህልዊ ኩነታት ኤርትራ ከም ፍታሕ ከቕርብ ከሎ፡ ኣብ ኤርትራ ንዘሎ ሕቶ ብዙሕነት ንምኽእኣል ዝሓሸን መሰላት ኩሎም ኣኸዋውና ህዝቢ ኤርትራ ብማዕረ ዘተኣናግድን ኣብ ካልኣይ መፋርቕ መበል 20 ክፍለ ዘመንን ሕጂ’ውን ዘካይድዎ ዘሎ ቃልስን ብሓባራዊ ተጋድሎ ብወለታ ዝረጋገጽዎ ሃገራዊ ሓድነት ንምውሓስ ምዃኑ ብምእማን’ዩ። መጻኢ ወለዶታት ብነጻ ድሌቶም ዘላቒ ረብሓታቶም ንምርግጋጽ፡ ዝወስድዎ መማረጺታት ዕድል ዝህብ ብምዃኑ’ዩ።

 

ሲቪላዊ ትካል

 

ሲቪላዊ ትካል መንግስቲ ንዜጋታቱ ኣገልግሎት ንምሃብ ዝጠቐመሉ መሳርሒ ብምዃኑ፡ ኣብኡ ክሰርሑ ዝሕረዩ ሰባት ብግልጽነትን ሕጊ ብዘነጽሮ ውድድርን ብቁዕ ዜጋ ኣብ ብቁዕ ስራሕ ብሞያዊ ቅድመ ኩነትን ኣድልዎ ዘይብሉን ክኸውን ይግባእ። ዕላምኡ ከኣ ምምሕዳራዊ ብልሽውና ንምውጋድ ኮይኑ፡ ኣብዚ መዳይ’ዚ ፌደምኤ ነዞም ዝስዕቡ ፖሊስታት ዝኽተል ይኸውን።

    ሀ. ኣብ ሞያን ብቕዓትን ንጹር ቅድመ ኩነት ዝሓቱ ቦታታት ስራሕ ንኩሎም ዜታታት ኣብ መላእ  ዞባታት ብግሉጽን ንጹርን መዓቐኒታት ክፉት ኮይኑ፡ ብመሰረት ሕጊ ዘነጽሮ ንተቓውሞ ዘፍቕድ ይኸውን።

    ለ. ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ሰራሕ ናይ ምርካብ ዕድል ዝተሓልወ ኮይኑ፡ ልዑል ደረጃ ትምህርትን ብቕዓትን ዘይሓቱ ተራ ስርሓት ከኣ ቀዳምንት ንነበርቲ ናይዚ ዞባ ዝውሃብ ይኸውን።

     

ወተሃደራዊ ትካል

 

ኤርትራ ንእሽቶይን ውሑድ ህዝቢ ዘለዋን ክትኸውን ከላ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ውግኣት ክትኣቱ ዝተገደደት ሃገርያ። ልዕሊ ኩሉ ድማ ንውሽጣዊ ኩነታታ ዝህድድ ምክንያታትን ፖሊስታት ኲናትን ዘይትቕበል ከም ሕሱም ቅሳነት ትብህግ ሃገርያ። እዚ ማለት ግን ኣገዳሲ ኮይኑ ምስ ዝርኸብ ብደገ ክመጽእ ዝኽእል ምፍርራሕ ወይ ካብ ዘይርጉእ ውሽጣዊ ተርእዮታት ብጉጉይ ስጉምትታት ዝተፈላለዩ ኣካላት መንግስቲ ብኩራት ማሕበራዊ ሰላም ምስ ዘጋጥም፡ ሃገር ንምኽልካል ወተሃደራዊ ትካላት ክህሉ የብሉን ናብ ዝብል ዝወስድ ኣይኮነን። ስለዝኾነ ምንቅስቓስና ኣብዚ መትከላዊ እምነት ተመርኮሰ ወተሃደራዊ ትካል ክህልዎዩ።

  1. 1.ብመሰረቱ ፖሊስታት ምክልኻልን ጸጥታን ኤርትራ ንፍልልያት ዘወገደ፡ ንረብሓታት ካልኦት ዘይጻረር ኣብ ውሽጣውን ወጻእን ጉዳያቶም ኢድ ዘየእቱ ክኸውን ይህልዎ።
  2. 2.ወተራደራዊ ትካል ዘመናዊ ዕጥቂ ዝተዓጥቐን ዝለዓለ ድልውነቱ ዘረጋገጸን ኮይኑ፡ ቀንዲ ዕማማቱ ድማ ካብ ወጻኢ ክመጽእ ዝኽእል ሓደጋታት ንምክልኻልን ዶባዊ ጸጥታ ንምሕላውን ይኸውን።
  3. 3.ኣኸዋውንኡ ከኣ ንኤርትራዊ ክውንነት ዘንጸባርቕ፡ ብቕዓትን ፍትሕን ነፍሲ ወከፍ /ሰብ ኣብ ግምት ዘእቱ፡ ክኸውን ይግባእ።
  4. 4.ወተሃደራዊ ትካል ብሄራዊ ኣስተዋጽኦ ዘለዎ፡ ቀንዲ ዕማማቱ ካብ ወጻኢ ክመጽእ ዝኽእል ሓደጋታት ምክልኻል ዝወሰን ኮይኑ፡ ከምኡ’ውን ባህርያዊ ሓደጋ ምስ ዘጋጥም ሓጋዚ ተርኡ ዝጻወት ይኸውን። ካብ ሃገራዊ ግቡኣቱ ወጻኢ ኣብ ዝኾነ ጉዳይ ኢዱ ዘየእቱ፡ ካብ ፖሎቲካዊ ሰልፍታት ኤርትራ ናጽነቱ ዝሓለወ፡ ተሓታትነቱ ነቲ ካብ ህዝቢ ዝተመርጸ ሓጋጊ ኣካል ጥራይ ይኸውን።
  5. 5.ትካላት ጸጥታን ፖሊስን ብሕጊ ምእዙዝ ኮይኑ፡ ደቂ ነፍሲ ወከፍ ዞባ ብዘለዎ ፍሉይነት /ሰቦም ኣብ ዞቦኦም ይዝርግሑ።

 

ወጻኢ ፖሊስታት

 

ወጻኢ ፖሊሲ ኤርትራ ኣብ መትከል ሰላማዊ ምክብባርን ሓባራዊ ረብሓታትን ዝተሞርኮሰ፡ ሰናይ ጉርብነታዊ ዝምድናታት ንምምስራት፡ ከምኡውን ንዝፍጠሩ ፍልልያት ብሰላማዊ ዘተ ንምፍታሕን ንልዕላውነት ሃገር ዘኽብር፡ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያቶም ምትእትታው ዘይትገብርን ይኸውን። ስለዝኾነ ወጻኢ ዝምድናታት ምንቅስቓስና ኣብዚ ዝስዕብ ተሞርኲሱ ክሰርሕዩ።

  1. 1.ኣብ መንጎ ህዝቢ ኤርትራን ካልኦት ኣህዛብን ፖሎቲካዊ፡ ማሕበራዊ፡ ብህላውን ቁጠባውን ዝምድናታት ንምድልዳል ክዓዪ ክጽዕርዩ። ብፍላይ ከኣ ምስቶም ምስ ህዝቢ ኤርትራ ባህርያዊ ባህላውን ማሕበራውን ዝርግሐ ዘለዎም ጎረባብቲ ሃገራት ሱዳን፡ ኢትዮጵያ፡ ጅቡቲ፡ ሱማልን የመንን ቁጠባዊ፡ ማሕበራውን ባህላውንምትሕግጋዝ ይኹን ምውህሃድን ናብ ዝለዓለ ደረጃ ክብ ክብል ክሰርሕዩ። ዶባት ናይዞም ኣህዛብ እዚኣቶም ድልድል ርኽብ ክኸውን ብምግባር ኣብ ኩሉ ዝኸኣል መዳያት ምድግጋፍ ክህሉ ይኸውን። ኣብ መንጎ ኣህዛብ ዝህሉ ስትራተጂካዊ ርኽባትን ረብሓታትን ዝዓግት ወይ ዝኽልክል ኣይህሉን። ከምኡውን ምርጫታት ኣህዛብን ፖሎቲካዊ ድሌታቶምን ከኽብርዩ። ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያቶም ብዘይምትእትታው ጸጥታን ሰላምን ናይዚ ዞባ ንምርግጋጽ ኣውንታዊ ግደ ክጻወትዩ። ኣብ መሰረት ደሞክራስያዊ ዘተን ህዝባዊ ድሌታትን ልዕልነት ትካላት ቅዋምን ብቀጥታ ሓባራዊ ረብሓታት ጉረባብቲ ሃገራት ክሳብ ዝተረጋገጸ ፖሎቲካዊ ርእይቶ ክሳብ ዝተመሳሰለ ናብ ኮንፌደራላያዊ ዝምድናታት ንምብጻሕ ክሰርሕዩ።
  2. 2.ምስ ኣህጉራዊ /ሰብ ዓለም ኣውንታዊ ዝምድናታት ንምምስራት ምጽዓር። እዚ መሰረቱ ሰላምን ዘተን ምስ ኣብ ከባብን ዓለምን ዝርኸቡ ሃገራት ዝፍጠር ፖሎቲካዊ ፍልልይ ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ዝተሞርኮሰ ይኸውን። ካብ ኣብ ውጽዓታትን ምዝመዛን ዝፈጥር ፍልልያት ምርሓቕ፡ ንኩሉ መልክዓት ግብረ-ሽበራዊ ተግባራት ምኹናን ምክንያቱ ከኣ ንንጹሃት ዕላማ ስለ ዝገብር ስርሓት ስለዝኾነ። ምስ ምርጫታትን ድሌታትን ህዝቢ ኤርትራ ዘይምጽራር፡ ብውዕላት ብምእዛዝ ኣብ ጸጥታን ምርግጋእን ዝነብር ዞባውን ኣህጉራውን /ሰብ ንምህናጽ ምቅላስ።

 

ፖሊሲ ትምህርቲ

ፈደምኤ ዞም ዝሰዕቡ ፖሊስታት ይኽተል፡-

ብዘይ ትምህርቲ ትንሳኤ ሓደ /ሰብ ክረጋገጽ ኣይኽእልንዩ። ከምቲ ቀዳሞት ፍልጠት ዓንድታት ገዛ ሓፍ ከብል ከሎ፡ ድንቁርና ድማ ገዛ ክቡራት የፍርስ ብምባል ዝመሰልዎ ካብ ትክክለኛ ኣንፈት ዝብገስ ቅኑዕ ስርዓተ ትምህርትን ዕውት መሳርሒ ኣፈጻጽምኡን ክንኽተል ግድን ይኸውን። ፍልጠት ብባዕዳዊ መግዛእትን ትምክሕታዊ ስልጣንን ዝበጽሖ ሃስያታት ብምውጋድ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ባህርያዊ ቦትኡ ምምላስዩ፡፡ ሰለዚ ምንቅስቓስና እዚ ዝስዕብ ፖሊስታት ክኽተልዩ።

 

  1. 1.መንግስቲ ትምህርቲ ብምዝርጋሕ ፖሊስታቱ ምስ ዕብየት ሃገርን ክብርታት ሕ/ሰብን ንምኽባር፡ ፍቅርን ምትሕብባርን ብሰላም ንምርባርን ዝሕዝ ክኸውን ይግባእ።
  2. 2.ሕ/ሰብ ብሰነ ሓሳብን ቁጠባን ኣብ መስርሕ ትምህርቲ ተሳትፍኡ ከረጋግጽን ምስ ትምህርቲ ክወሃሃድን ዘድልዮ ዓይነት ፍልጠትን ከመይነቱን.......ወዘተ ብፍቶት ክቕበል ይዓዪ።
  3. 3.ዘመናዊ ስርዓተ ትምህርቲ ብምቕራጽ፡ መባእታውን ማእከላይን ካልኣይ ደረጃን ብነጻ ዝወሃብ ኮይኑ፡ መባእታውን ማእከላይን ድማ ብግዴታ ዝወሰድ ይኸውን
  4. 4.መነብባሮ መምሃራን ብቁጠባዊ መዳይ ክመሓየሽን ንቡር ማሕበራዊ ቦትኦምን ክብሮምን ክረኽቡ ዓቕምታቶም ክብ ንምባል ዘድልዮም ስልጠናን ምስ ኣህጉራዊ ምዕባሌታት ንምስጓም  ሳይንሳዊ ትምሀርቲ ወጻእን ከውስዱ ምግባር። እቶም ብሉጻት መምሃራ ዓቕሞም ብምምዕባል፡ ኣብ ጉዕዞ ትንሳኤ ትምህርቲ ንጡፍ ኣበርክቶ ክህልዎ ምጽዓር።
  5. 5.ኣብ መስርሕ ትምህርቲ ኣውንታዊ ተመክሮታት ካልኦት ሃገራትን ኣህዛብን ብምቕሳብ ውሕሉል ጥቕሚ ንምርካብ፡ ፍትሓዊ ቅድመ ኩነታትን ተመጣጣኒ ፖሊሲ ሃገራዊ ልምዓትን ብዝሓቶ መሰረት ተመሃሮ ምልኣኽ።
  6. 6.ኣውራጃታትን ፌደራላዊ ዞባታትን ክጥቐምሉ ዝደልዩ ቋንቋ ትምህርቲ ክመርጹ መሰል ይህልዎም። ትግርኛን ዓረብኛን ዕላውያንን ቋንቋታት ሃገረ ኤርትራ ስለዝኾኑ፡ ኣብ መባእታውን ማእከላይን ደረጃ ትምህርቲ ብግዴታ ዝወሰዱ ይኾኑ። ኣብ ኩሉ ዞባታት ሳይንሳዊ መጽናዕቲ ንምምዕባል ዝሕግዙ ረቋሕታት ምምላእ ይግባእ።
  7. 7.ደቂ-ኣንስትዮ ንመምሃር ምገዳስን ንከይምሃር ዝዓግቱ ተረድኡታትን ባህልታትን ብምውጋድ ምቹእ ባይታ ምፍጣርን።
  8. 8.ብጉዳይት ኣካለ ሱንካልን ምገዳስን ዝድልዮም ትምህርቲ ምምላእን ኣብ ሕብረተ ሰብ ክጽንብሩ ምጽዓርን።

 

ዜናን ባህልን

 

ኣብ ሓደ ሕ/ሰብ ዜና ከም ራብዓይ ስልጣን ዝወሰድ ኮይኑ፡ ኣካላት መንግስቲ ይኹን ኣብ ስቪላዊ ትካል ዝሰርሑ ባእታታት ክሓብእዎ ዝፍትኑ ሓቅታት ንዜጋታት ዘቓልሕ’ዩ። ዜና መብርሂ ንምሃብ ኣብ መንጎ ዜጋታት ጉዳያት ንክትዕ ክወርድን ተሳትፍኦም ንከረጋገጽሉን ዝሕጋዝ መሳርሒ ብምዃኑ፡ ሻራ ዘይብሉን ካብ ተጽዕኖ መንግስቲ ነጻ ኮይኑ፡ ኣብ ክሊ ሕጊ ዘፍቕዶ ብዘይተሓታትነት ሓበሬታ ክረኽብ መሰል ዘለዎ ይኸውን። ፌደምኤ ነዚ ናብ ሽቶኡ ንምብጻሕ ክጽዕር ምዃኑ’ዩ።

 

ባህላዊ መዳይ ንመንነትን ውጽኢት ክብርታትን ልምድታትን ሕ/ሰብ ዘንጸባርቕ’ዩ። ፌደምኤ ካብዚ ብምብጋስ ንሰነ ሓሳባውን ባህላውን ውጽኢታቱ ብምግዳስ፡ ኣውንታዊ ሸነኻት ህዝባዊ ውርሻታት ዘንጸባርቕ ፖሊሲ ክኽተል’ዩ። ከምኡ’ውን ባህላዊ ማሕበራት ንምምስራትን ባህላዊ ንቅሓት ኤርትራዊ ዜጋ ክብ ንምባል፡ ትምህርታዊ ጽሑፋት ምድላው። ኩሉ መዳያዊ ስነ ጥበብ ማለት መድረኽ፡ ሲነማ፡ ሬድዮን ቴለቭዥንን ብምትብባዕ ሻራ ኣልቦ መሳርሒታት ብምዃኖም ብምእማን ቅዱስ ክብርታት ንምስራጽ ጥጡሕ ባይታ ይምድምድ።

 

ንኣገዳሲ ሃገራውን ባህላውን መንነትና ዝገልጹ ቅርጽታት ብምግዳስ፡ ቤተ-መዘክራትን ኣብያተ መጻሓፍትን ምምስራት። ከምኡ’ውን ብዘይዝኾነ ጸጊዕነት ታሪኽ ኤርትራዊ ተቓውሞን ተራ ህቡባት መራሕቱን ንምጽሓፍ ዕቱብ ጻዕርታት ምክያድ። ብሰነ ኣእምሮን መንፈስን ኣካልን ጥዑይ ኤርትራዊ ዜጋ ንምህናጽ  ስፖርታዊ ክበባትን ኣብያተ መጽሓፍትን ምምስራት።

 

ከባብን ጥዕናን

 

ኣብ ዘለናዮ ክፍለ ዘመን ጉዳይ ከባቢ ብምክንያት ኢዱስትሪያዊ ብከለትን ብዘይኣገባብ ንተፈጥሮኣዊ ሃብቲ ምጥቓምን ከምኡ’ውን ኲናትን ድርቕን ምደረ-ባድምነትን ብምግዛፉ ኣህጉራዊ ተገዳስነት ዘለዎ ጉዳይ ኮይኑ ምህላዉ ዝፍለጥ’ዩ። ኣብ ኤርትራ ብሰንኪ ባዕዳውያን ሓይልታት ንከባቢ ግቡእ ኣገንዝቦ ኣይረኸበን።

ዜጋታት ጽዓታት ንምርካብ ንሃብቲ ዱር ብዘይኣገባብ ክጥቐምሉ ብምጽንሖም ክበርስን ብተመሳሳሊ ኣብ መድረኽ ሰውራ እንስሳ ዘገዳም ጠፍኡን። ፌደምኤ ከባቢ ጥዕንኡ ክዕቕብን ሚዛኑ ክሕሉን ኣገደስቲ ፖሊስታትን ስጉምትታትን ብምሕንጻጽ ይኸውን።

 

እቲ ቀንዲ ርእሰ-ማልን ምንጪ እቶትን ዝኾነ ኤርትራዊ ዜጋ ካብ ሕማማት ጥዕንኡ ውሑስ ክኸውን ምስ ዘይኽእል፡ ልምዓትን ቁጠባዊ ትንሳኤን ክህሉ ኣይኽእልን’ዩ። ስለዝኾነ መንግስቲ ሃገረ ኤርትራ ብጉዳይ ሓፈሻዊ ጥዕና ክግደስን ንጹር ፖሊስታት ክቐርጽን ይግባእ። ሰለዚ ፌደምኤ ነዚ ዝስዕብ ይኽተል።

  • ሕክምናዊ ኣገልግሎት ንዜጋታት ብነጻ ንምሃብ። ካምፓኒታት ብምትብባዕ ንፋብሪካታት መድሃኒት ብምድጋፍ፡ ካብ ቀረጽ ነጻ ክኸውንን ኣድላዪ ኣሳልጦታት ምቕራብን ይኸውን።
  • ካብ ተላገብቲ ሕማማት ንምድሓን ጥዕናዊ ንቕሓት ዜታታት ክብ ንምባል ትምህርቲ ምዝርጋሕ። ንቡር ሕማማት ካብ ሱሩ ንምምሓውን ንጥዕና ዜጋታት ሓደጋ ዝኾኑ ተግባራት ንምውጋድን ናብ ዝለዓለ ደረጃ በጺሑ ዘሎ ሕማም ኤድስ ንምክልኻልን ኩሉ ዝኸኣል ሳይንሳዊ ኣገባባት ምጥቓም። ሃይማኖታዊ ክብርታትን ሰናይ ስነ ምግባርን ንምስፍሕፋሕ ምዕያይ።
  • ብዜናዊ መሳለጥያታት ጥዕናዊ ባህሊ ብምስራጽ ንኣዴታትን ህጻናትን ኣድላዪ ክንኽን ምግባር።                          

 

ቁጠባዊ ፖሊስ

 

ቅድሚ ባዕዳዊ መግዛእቲ ንቁጠባ ኤርትራ ምስ ንምልከት፡ ውሽጣዊ ትሕዝቶኡ ኣብ ሕርሻን መጓሰን ዝተሞርኮሰ ኮይኑ፡ ብውሱን ደረጃ ኣብ ነብሰ-እኽእሎ ዝተወሰነ ድሩት ኣቕሑት ዝለዋወጠሉ ኩነታት ምንባሩ ንዕዘብ። ከምኡ’ውን ኣብ ገለ ንግዳዊ ንጥፈታት፡ ብፍላይ ከኣ ብካልኦት ዜጋታት ትሕዝቶ ወሽመጥ ባሕሪ ንምእካብ ዝግበር ዝነበረ ንጥፈታት ምንባሩ ንምልከት።

 

ብድሕሪ ምእታው ባዕዳዊ መግዛእቲ ጣልያን፡ ንዕላማታት መግዛእታዊ ር/ማል ንምዕባይ ቁጠባ ኤርትራ ብህንጸት ባዕዳዊ መግዛእቲ ተገቢቱ፡ ውሽጣዊ ቁጠባዊ ትሕዝትኡ ምስ መግዛእቲ ተኣሳሰረ። በዚ መሰረት ከኣ ገለ ካብቶም ቀንዲ ነበርቲ ኣብ መባእታዊ ሂወቶም ዘድሊ ብምግዳፍ፡ ንውጽኢት ቁጠባዊ መግዛእቲ ብዝሕግዝ መንገዲ ዝዛመድሉ ውድዕነት ድማ እናተፈጥረ መጺኡ። ንመግዛእታዊ ቁጠባዊ ፖሊሲ ንግልጋል ከኣ ድሩት ዕድል ስራሕ’ውን ፈጠረ። እዚ ዕድል ስራሕ’ዚ ንገለ መንእሰያት ውሱን ኣታዊታት ክረኽቡ ገበረ። እዚ ተርእዮ’ዚ ኣብ ንጥፈታት ቁጠባ ኤርትራ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ሓይሊ ፈጢርሉ ዓቢ ዝላ ከመዝግብ ሓገዞ።

 

ኣብ ኤርትራ ባዕዳዊ መግዛእቲ እንግሊዝ  ምስ ኣተወ፡ ኮነ ኢሉ ነቲ ብጣልያን ዝተሃንጸ ትሕተ ቅርጻ ንምዕናው ብግብሪ ሰሪሑ። ከምኡ’ውን ንዕብየት ሃገራዊ ቁጠባዊ ትካላት ማሕለኻታት ብምፍጣር ንቁጠባዊ ዕብየት ኤርትራ ተጻረረ።

 

ባዕዳዊ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ምስ ምእታዉ፡ ነቲ ኣውንታዊ ስጉምቲ ኣርእዩ ዝነበረ ትሕተ ቅርጽን ጥበብን  ኣዳኺሙ ቁጠባ ትሕዝቶ ናብ ቁጠባዊ ኲናት ተለዊጡ።

 

ኣብዚ ኩሉ ዝሓለፈ መድረኽ ቁጠባ ኤርትራ መንገዲ ዕብየት ከረጋግጽ ኣይኸኣለን። ብድሕሪ ናጽነት  ምርግጋጹ ኤርትራ ንመላእ ዕብየት ሃገርን ዜጋታታን ዘረጋግጽ ሃገራዊ ቁጠባ ክትምስርት ብዙሕ ትጽቢት ነይሩ። ኮይኑ ግን ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝበኣሰ ኮይኑ ንረኽቦ። ባዕዳዊ መግዛእቲ ንዓቕምታት ቁጠባዊ ትሕዝቶ ኤርትራ ንሃገራዊ ውጽኢታቱ ካብ ዜጋታት ኣገሊሉ፡ ንገለ ዕድል ስራሕ ብምፍጣርን ወርሓዊ ደሞዝ ብምሃብን ኣብ ድሩት ንግዳዊ ንጥፈታት ዝዋፈርሉ ኩነታት ብምፍቓድ ኣብ ረብሓታቱ ዘውዕሎ እንተነይሩ፡ ሎሚ እዚ ውድዕነት’ዚ ኣብ ኤርትራ ብቀሊሉ ዝርኸብ ኣይኮነን። ዲክታቶርያዊ ስርዓት ልዕልነቱ ንምርጋግጽ ህዝቢ ብምክዳዕን፡ ንዜጋታት ከም መሳርሒ ዕዮ ብምጥቓምን ብመጽናዕቲ ዘይተደገፈ ሰፍ ዘይብል ቀረጽ ብምኽፋልን ረብሓታት ህግደፍን ስልጣኑን ንምውሓስ ዝጓየየሉ ኩነታት እንተዘይኾይኑ፡ ሃገራዊ ቁጠባ ንምህናጽ ፍጹም ተገዳስነት ከም ዘይብሉ ንምልከት። ስልጣን ብድሩት ጉጀለ ብሰንኪ ምግባቱ፡ እቲ ውሱን ዝነበረ ኣፍራዪ ትካላት ዓንዩ፡ መንግስቲ ኣብ ዕለታዊ ስርሓት ክሳብ ዝወዳደረሉ ደረጃ ወዲቑ ንረኽቦ።

 

ፌደራላዊ ምንቅስቓስ ካብዚ እምነት’ዚ ብምብጋስ፡ ንምምሕዳር ሃገራዊ ቁጠባ ሳይንሳዊ ፍልጠት ምጥቓም ዝሓሸ መማረጺ ምዃኑ ይኣምን። ስለዝኾነ ንሃገራዊ ዓቕምታት ብግቡእ ብምምድማድን ኣብ ኩሉ ክፍልታት ሕ/ሰብ ኤርትራ ምዕሩይን ፍትሓውን ብዝኾነ መንገዲ ብምዝርጋሕን ምስ ኤርትራ ዝጠዓዓም ቁጠባዊ ዕብየት ንምርግጋጽ ተጊሁ ክሰርሕ’ዩ።

 

ኣብዚ እዋን’ዚ ሓፈሻዊ ዓለምለኻዊ ርእይቶ ናጽነት ቁጠባ፡ ኣህጉራውን ዞባውን ቁጠባዊ ምትእስሳርን ቁጠባዊ ንጥፈታት ኣብ ዝሳለጠሉ ዘሎ ህሞት፡ ፌደራላዊ ምንቅስቓስ ሕውስዋስ ቁጠባዊ ፖሊሲ ምኽታል ብዝወሓደ ክሳብ ቀረባ መጻኢ ምስ ውድዕነት ኤርትራ ዝኸይድ ምዃኑ ይግንዘብ። ምክንያቱ ከኣ ነጻ ቁጠባዊ ፖሊሲ ንጥፈታት ሰብ ርእሰ ማል ቁልጡፍ ብምዃኑ፡ ኣውፈርቲ ቁልጡፍ ዝኾነ ቁጠባዊ ረብሓታት ንምርግጋጽ ዝጓየይሉ ባይታ ስለዝኾነ ሓደጋ ዘለዎ’ዩ። ሃገራዊ ቁጠባ ከይዓኑ ሓያል ቁጠባዊ ትካላት ምህናጽን ከምኡ’ውን ንረብሓታት ስራሕ ዘውሕስ ማሕበራት ምምስራትን ዝሓትት’ዩ። ፈደምኤ ነዚ ዝስዕብ ቁጠባዊ ፖሊሲ ክኽተል’ዩ፡-

  ሀ. መንግስቲ ኣብ ትካላት ሃገር ቀጥታዊ ጽልዋታት ዘለዎ ከተኩር’ዩ። እዚ ትካላት’ዚ መብዛሕትኡ

     ኣብ ኣገልግሎትሓይሊ መብራህቲ፡ ማይ.........................ወዘተ ይኸውን።

   ለ. ንዜጋታት ግቡእ ትኹረት ብምሃብ፡ ውልቓዊ ር/ማል ከውፍሩ ምሉእ ዕድል ዝህብን ዘተባብዕን

     ይኸውን።

   ሐ. ር/ማላውያን ወጻኢ ር/ማሎም ከውፍሩ ምትብባዕን ኣገደስቲ መንገድታት ምጽራግን።

   መ. ንሽማታይ ዝክላኽል ተካላት ምህናጽ።

 ሰ. ኣብ መንጎ ዝተፈላልዩ ኣካላት ሃገር ሃብቲ ዝዝርግሕ መሳርሒ ፍልጠት ምድህሳስ።

 ረ. ካብ ከብዲ መሬትን ባሕርታትን ዞባታት ዝርኸብ ዕደናን ጸጋታትን ነቲ ዝተርፍ ሃብቲ ብዘይጸሉ

  መንገዲ ብሚእታዊ ምውሳን።

 ሸ. ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ንንግዳዊ ንጥፈታት ዝጎድእ ዕንቅፋታትን ብድሆታትን ምውጋድ።

 ቀ. ንውሽጣዊ ዕዳጋታት ዘድሊ ነገራት ንምምላእ ብቁዓት ካድራት ምፍራይን ንሰራሕተኛታት ስልጠና

   ምሃብን።

   ቐ. ቁጠባዊ ትንሳኤ ንምርግጋጽ፡ ኣገልግሎት መጎዓዝያ ንምቅላልን ትሕተ ቅርጻ ምሕያል።

   በ. ንዕብየት ውሽጣዊ ዓቕምታት ንምሕያል ብስነ ፍልጠታዊ ክሕገዝ ምጽዓር።

  ተ. መነባብሮ ኩሉ ክፍልታት ሕ/ሰብ ኤርትራን ፍልይነቱን ምኽባር። መነባብሮኡ ንምምሕያሽ

    ዝሕግዝ መጽናዕታዊ ስጉምትታት ምውሳድ።

  ቸ. ንዜጋታት ዕድል ስራሕ ንምፍጣር፡ ካብ ደገ ዝመጽእ ሰደድ ብምቅናስ፡ ጥረ ነገራት ኣብ ውሽጢ

    ሃገር ዝስርሓሉ ኩነታት ምምሃዝ።

  ደ. ውሽጣዊ ኣታዊታት ምብርታዕ፡ ተወዳዳሪ ክኸውን ብስነ ፍልጠታዊ መንገዲ ኣታዊታቱ

   ክመሓየሽ ምግባር።

 

ፖለሲ ግብሪ

 

ግብሪ ብመስረት ሓጋግን ሕጋውን ቅጥዒታት ብመንገስቲ ክኽፍል ዝትውስነ ፋይናንሳዊ ግቡእ ኮይኑ፡ ንሱ ድማ ንመንግስቲ ዝድልዮ ገንዘባዊ ትሕዝቶ ንምርካብ ዝዓለመ’ዩ። ግብሪ ቁጠባዊ ንጥፈታት ዘለዎ ኣካላት ባእታትን ዝኽፈል ገደታዊ ግቡእ ኮይኑ ፈይናንሳውን ቁጠባውን ዓቕምታቶም ኣብ ግምት ዘኣትወ ይኽውን። ሰለዚ ሌላን ዕላምን ምኽፋል ግብርን ኣገዳስነቱ ንኹሉ ፉሉጥ ክኽውን ተደላይነት ኣለዎ። እዚ ኣፍልጦ’ዚ ምስ ዝቡኩርን ቁጠባውን ማሕበራውን ዕላምታት ግብሪ ምስ ዘይየንጽርን ዜጋታት ግብሪ ካብ ምኽፋል ክሃድሙ ይፍትኑ። ነዚ መሰረት ብምግባር ፈደምኤ ብዛዕባ ግብሪ ህዝባዊ ኣፍልጦን ንቅሓትን ክብ ንምባልን ንምዝርጋሕን ክጽዕር ምዃኑ የረጋግጽ። ከም’ውን ፈደምኤ ሳይንሳዊ ስረት ዘለዎም ፖለሲታት ግብሪ ብምንዳፍ ነዞም ዝስዕቡ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ዕላምታት ንምጨባጥ ይኽውን፡-

 

ኣብ ቁጠባዊ መዳይ፡

  1. 1.ንሃገራውን ወጻእን ውፍሪታት ኣብ ምርታዊ ውፍሪታት ንምስታፍን ንምትበባዕን ብዞም ዝስዕቡ ብልጫታት ብምቅራብ ይኽውን፡-

 ሀ. ንዝተውስነ ቁጽሪ ኤርትራውያን ዜጋታት ዝዋፍር ትካል ኣብ ግብሪ ዝተባብዕ ድረት ዘለዎ ሓድጊ ምግባር።

 ለ. ካብ ወጻኢ ዝኣትዎ ብተመሳሳሊ ኣብ ውሽጢ ዝስርሑ ኣቕሓ ዝላዓለ ግብሪ ክኽፍሉ ብምግባር ንሃገራዊ ምቲታት ንምምዕባልን ምዕቓብን ይኽውን’

ሐ. ሃገራዊ ስደደ ንምትበባዕ ኣብ ምኽፋል ግብሪ ድረት ዘለዎ ሓድጊ ምግባር።

  1. 2.ክይዲ ሃላኺ ንምቁጽጻር ኣብ ኣቅሓን ኣግልጉሉትን መዳይት ግብሪ ክኽፍል ምውሳን።
  2. 3.ግብሪ ንሃገራዊ ምርቲ ንምውዳብ መሳርሒ ክኽውን ምግባር።


ኣብ ማሕበራዊ መዳይ፡

ፈደምኤ ኣብ ዓቕሚ ዝተምርኩሰ ፍትሓውነትን ሚዛን መንግስታዊ ወጻኢታትን ኣታዊታትን ንምሕላውን ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ መንጎ ቅጸላታት ሕበረተ ሰብ ኤርትራ ኣታዊታት ዳግም ንምምቅራሕን ዘሎ ኣፋላላይ ንምጽባብን ብምዕያይ ኮይኑ ንዞም ዝስዕቡ ቅድመ-ኩነት ንምረጋጋጽ ይኽውን፡-

ሀ. መንግስታዊ ወጻኢታት ንምሽፋን ኩሉ ሕበረተ ሰብ በዝይ ኣፈላልይ ግብሪ ክኽፍል ይግባእ።

ለ. ግብሪ ፍትሓውን ከክም ጽፍሑ ዝውስኽን ክኽውን ይግባእ።

ሐ. ውሑድ ኣታዊ ዘለዎም ስድራቤት ሂውቶም ንምሓስ ዝተሓተ ብርኪ ዕለታዊ ምነባብሩ ካብ ግብሪ ነጻ ይኽውን።

መ. ግልጽነት ዘለዎም ሕግታት ግብሪ ብምኽታል ዜጋ በቲ ሕግታት ብዝቅለለ መንግዲ ኣፍልጦ ክህልውን ብትኽክል ክትግብሩምን፡ ንሱ ድማ ፋይናንሳውን ሰነ ኣምራውን እቲ ኽፋሊ ግብሪ ኣብ ግምት ብምእታው ግብሪ ንምርትን ንጥፈት ባእታትን በዘይምዕንቃፍን ኣብ ሃገራዊ ምርቲ ክኽስቱ ዝኽእሉ ለውጢታት ብምግዛብ ፈደምኤ ክዓይ ምዃኑ የረጋግጽ።

ሰ. ፈደምኤ ኣታዊታት ግብሪ ካብ መንግስታዊ ወጻኢታት ክብ ምባል ካብ ኣታዊታት ግብሪ ንምሽፋን ዝሕግዝ ቁጠባዊ ፖለሲ ንምኽታል ይዓዪ።

 

ሳልሳይ ጠቕላል ጉባኤ

ፌድራላዊ ደሞክራስያዊ ምንቕስቃስ ኤርትራ

 

04/07/2012

 

 


Search our Website